ግምቢ ዘብዐኛን ተበራበሩ!ን — መጽሔታት ሓቂ
1 እታ ናይ 1 ጥሪ 1994 ዝወጸት ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ገጽ 22 መጽሔታትና “ነቲ ሓቀኛ ድሌት ሰባት ዝምልከቱን ንህይወት ሰባት ድማ ብሓቂ ገይሮም ዝትንክፉን እዋናውያን ዓንቀጻት” የሕትማ ምህላወን የዘኻኽረና ። ነዘን መጽሔታት እዚአን ኣስፊሕና ክንዝርግሐን ኢና እንደሊ ። ኣብ ወርሒ ሚያዝያን ግንቦትን ግምቢ ዘብዐኛን ተበራበሩ!ን ክዕደላ ኢየን ።
2 እቲ ካብ ገዛ ናብ ገዛ እንገብሮ ዕዮና ነዘን መጽሔታት እዚአን ንሰባት ከነብጽሓሎም ዝበለጸ ኣጋጣሚ ይህባና ኢየን ። ስሉጥ ናይ እግረ–መገዲ ምስክርነትን ተመላሊስካ ምብጻሕን መጽሔታት ክንዕድል የኽእለና ኢዩ ። ኣብ መገድን ኣብ ከባቢና ዘለዉ ናይ ንግዲ ትካላትውን ቍጽሪ ምዕዳል መጽሔት እነዕብየሎም ውጽኢታውያን መገድታት ኢዮም ።
3 እንዘራረበሎም ነገራት: እታ ናይ 1 ሚያዝያ ሕታም ናይ ግምቢ ዘብዐኛ “ዝሓሸት ዓለም: ሕልሚ ድያ ?” “ዝሓሸት ዓለም: ቀሪባ !” ዝብል አርእስታት ኣውጺኣ ኣላ ። እዚ ድማ ምስቲ ዕላማ ናይዛ መጽሔት ዝኾነ ምእዋጅ መንግስቲ ኣምላኽ ይሰማማዕ ። እቲ ካልኣይ ዓንቀጽ ዘለኣለማዊ ገነት ኣብ ትሕቲ ግዝኣት የሱስ ክርስቶስ ብኸመይ ከም ዝግሃድ ብምግላጽ ይድምደም ። — ሉቃ. 23:43
4 እቲ “ዘተኣማምን መምርሒ ኣበይ ክትረኽቡ ትኽእሉ ?” ዝብል ሕቶ አብታ ናይ 15 ሚያዝያ ሕታም ተዘርዚሩ ኣሎ ። እቲ ናይ ግንቦት ሕታም ነዛ ኣርእስቲ እዚኣ አብ ትሕቲ “ሃይማኖትዶ ድላይኩም የማላኣልኩም አሎ ?” “ስለምንታይ ንመጽሓፍ ቅዱስ እነንብብ ?” ዝብላ ኣርእስታት ኣስፊሑ ዘርዚርዎ ኣሎ ። በዘን እዋናውያን ኣርእስትታት ጌርና ምስ ሰባት ብቐሊሉ ዝርርብ ንምኽፋት ክንክእል ኣሎና።
5 ዕደላ ምዕባይ:- እቲ ናይ 1 ጥሪ ግምቢ ዘብዐኛ ምዕዳል መጽሔትና እነዕብየሉ 4 ምኽርታት ይህበና ። (1) መጽሔትና ክንጥቀመሎም ንቑሓት ክንከውን ተበራቲዕና ። ከነንብቦም ከሎና ኣየናይ ዓንቀጽ ነቶም ኣብ ከባቢና ዘለው ሰባት ዝያዳ ከም ዝማርኾም ክንሓስብ ኣሎና ። ኩሉ ጊዜ ምሳና ምስ እንሕዞም ንመሳርሕትና: ጎረባብትና: ንመማህራን: ንመማህርትና ወይ ኣብ ዕዳጋ ንዘለዉ ክንዕድሎም ንኽእል ።
6 (2) ኣቀራርባና ቀሊል ክኸውን ተዘኻኺርና ። ሓደ ኣገዳሲ ነጥቢ ውሰድ: ብውሑድ ቃላት ጌርካ ድማ አቕርቦ ። ነቲ መጽሔት ናብ ገዝኦም ከተብጽሖ እንተኺኢልካ: እቲ መጽሔት ባዕሉ ነቲ ሰብ ወይ ንኻልእ ኣብቲ ቤት ዘሎ ሰብ ‘ከዘራርቦም’ ኢዩ ።
7 (3) ተዓጸፍቲ ክንከውን እውን ካልእ ዘድልየና ነገር ኢዩ ። ንመንእሰያት: ንሰብኡት ካልእውን ነንስቲ ዝኸውን ዝተፈላለየ ዓንቀጻት ኣብ አእምሮኻ ክትሕዝ ሰናይ ኢዩ ።
8 (4) ኣብ መወዳእታ መጽሔታት ክንዕድል ናይ ብሕቲ ሸቶ ክንገብር የድልየና ። ምንም እኳ ጉባኤ ክንድዚ ክትዕድሉ ኣለኩም ዝብል ገደብ እንተ ዘይገበረትልና ንገዛእ ርእስና ሸቶ ከነውጽእ ንኽእል ኢና ። ዝያዳ መጽሔት ምዕዳልና ንስሚዕትና ከበራትዖ ኢዩ ። ንመጽሔታት ዝምልከት ቀዋሚ መምርሒ ምስ ዝህልወና ዝያዳ ንኽንገብር ክድርኸና ኢዩ ።
9 ካልኦት ብዛዕባ መንግስቲ አምላኽ ክፈልጡ ንደሊ ኢና ። ነቲ መጽሔታት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምስፋሕ ዝህብዎ ጽቡቕ ሓገዝ ምሉእ ብምሉእ ንጠቐመሉ ። — ማቴ. 10:7