እንተዘይተመሊስናዮም ደኣ ከመይ ገይሮም ክሰምዑ?
1 “ብዘይሰባኺኸ ኸመይ ገይሮም ኪሰምዑ፧” (ሮሜ 10:14) እወ: ኣሳልጦ ዘለዎ ተመላሊስካ ምብጻሕ እንተዘይጌርናሎምስ ከመይ ገይሮም ኢዮም ንትርጉም ናይታ ሓቂ ክርድእዎ ዝኽእሉ፧ ምስቲ በዓል ቤት ብዝኾነ መገዲ ብዛዕባ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ተዛሪብናዮ እንተደኣ ኴንና ተመላሊስካ ምብጻሕ ክግበረሉ ይግብኦ ኢዩ። ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ነቲ ናይ መጀመርያ ምብጻሕ ካብቲ ዓዲልናዮ ዝነበርና ንእሽቶ መጽሓፍ ተወሳኺ ጥቕሳዊ ሓሳባት ገይርና ክንከታተሎ ንኽእል ኢና። እዚ ኸኣ ብዓወት ናብ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ዝመርሕ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
2 ነታ “ዑቕባ ዝመልኦ መጻኢ ህይወት ከመይ ገይርካ ክትረኽቦ ከም እትኽእል” እትበሃል ንእሽቶ መጽሓፍ ዓዲልካ እንተ ኣሊኻ በዚ ዝስዕብ ኣገባብ ገይርካ ናብ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ከተምርሕ ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ ናይ ቅድሚት ገበር ኣመልኪትካ ከምዚ ኢልካ ክትሓትት ትኽእል:-
◼ “ኣብ ሓንቲ ንዓኻን ንስድራ ቤትካን ዑቕባ ዝመልኦ ህይወት ዝተረጋገጸላ ዓለምዶ ክትነብር ምደሌኻ፧ [መልሲ ክህብ ኣፍቅደሉ: ብድሕርዚ ናብ ዓንቀጽ 2 ኣመልክት።] ሽሕ’ኳ ብዙሓት ሰባት እምበርዶ ክከኣል ኢዩ ኢሎም ዝጠራጠሩ እንተኾኑ ኵላትና ኣብዚ ባህጊ እዚ ንካፈል ኢና። ነቲ ነዚ ነገርዚ ክውን ክገብሮ ከም ዝኾነ ኣተስፍዩ ዘሎ ኣምላኽ ዝሰኣኖ ነገር የለን።” ኢሳይያስ 32:17, 18 ከምቲ ኣብ ፓራግራፍ 2 ተጠቒሱ ዘሎ ገይርካ ወይ ካብ መጽሓፍ ቅዱስካ ገንጺልካ ኣንብበሉ። ቀጺልካ ድማ ሎሚ በቲ ዝመጽእ ዘሎ ርግጸኛ ተስፋ: ሓጐስን ናይ ኣእምሮ ሰላምን ዝረኸቡ ሰባት ኣብ ምልእቲ ምድሪ ከም ዘለዉ ግለጸሉ። ነቲ ኣብ ዓንቀጽ 3 ዘሎ ጥቕሳዊ ሓሳባት ተመያየጥሉ እሞ ነቲ በዓልቤት ነታ ንእሽቶ መጽሓፍ ንምጽናዕ ዝያዳ ንኽመሃር ብኸመይ ክድግፎ ከም ዝኽእል ግለጸሉ። እቲ ሰብ ዝግደስ እንተደኣ ኾይኑ: ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ብዝብል ዕላማ ብዝቐልጠፈ ግዜ ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብረሉ መደብ ግበር።
3 ነታ “ዝሓሊ ኣምላኽ ኣሎ ድዩ፧” እትበሃል ንእሽቶ መጽሓፍ ምስ ዓደልካ እንተድኣ ትምለስ ኣሊኻ ምናልባሽ እዚ ዝስዕብ ኣበሃህላ ኣስላጢ ክኸውን ይኽእል ኢዩ:-
◼ ቀይሕ “አብቲ ቀዳማይ ምብጽሐይ: ነታ ዝሓሊ ኣምላኽ ኣሎ ድዩ፧ እትብል ሕቶ ተመያይጥናላ ነይርና ኢና። ኣምላኽ ብኣና ስለ ዝግደስ ነዚ ስቓይን ዓመጻን መወዳእታ ክገብረሉ ኢልካ ትሓስብዶ፧ [እቲ ሰብ መልሲ ድሕሪ ምሃቡ ኣብ ኣንቀጽ 32 ኪድ እሞ ቀጽል።] ኣምላኽ ነዛ እክይቲ ዓለም እዚኣ: ብሓንቲ ብሰላም ዝነብሩ ሕያዎት ህዝቢ ዝመልአት ሓዳስ ዓለም ገይሩ ክትክኣ ኢዩ። [መዝሙር 37:11 ኣንብብ።] ኣነን ንስኻንውን ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ እንተድኣ ኣሚንናዮን ኣብ ግብሪ ኣውዒልናዮን ኣብታ ሓዳስ ዓለም ተሓጒስና ብህይወት ክንነብር ንኽእል ኢና።” ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽመሃሩ ዝሕግዞም መደብ ከም ዘሎና ግለጸሉ።
4 ነታ “እንሆ ንዅሉ አሐድሶ ኣሎኹ” እትብሃል ብሮሹር ድሕሪ ምዕዳልካ ተመሊስካ ትበጽሕ እንተድኣ ኣሊኻ: ነቲ ኣብ ገበር ዘሎ ስእሊ ብምርኣይ ቀጺልካ ድማ እዚ ዝስዕብ ሕቶታት ብምሕታት ክትጅምሮ ትኽእል ኢኻ:-
◼“ኣብ ሓንቲ ፍጽምቲ ዓለም ምንባር እንታይ ይመስል ይኸውን ኢልካ ትሓስብ፧ [በዓል ቤት ሓሳቡ ክህብ ኣፍቅደሉ።] እዚ ኣብዚ ስእሊ እትርእዮ ዘሎኻ: ሓሳብ ጥራይ ኣይኮነን: ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተዘርበ ሓቀኛ ተስፋ ዝተመስረተ ኢዩ። [ራእይ 21:4 ከምኡውን መዝሙር 37:11, 29 ኣንብብ።] ንስኻን ስድራቤትካን ነዚ በረኸት እዚ ከመይ ገይርኩም ከም እትረኽብዎ ክገልጸልካ ምፈቶኹ።” ነዚ ምምይያጥ ቀጽልዎ: ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክጅምር ከኣ ዓድሞ።
5 ንሓቂ ሃለው ኢሎም ዝደልይዋ ቅኑዓት ሰባት እንተደኣ ኣጋጢሞምና: ነቲ ዝሰምዕዎ ስጕምቲ ምእንቲ ክወስድሉ: ተመሊስና ብምብጻሕና ክንሕግዞም ከሎና ኣባታቶም ናይ ሓቂ ፍቕሪ ከም ዘሎና ነርእዮም ኣሎና ማለት ኢዩ። ነቲ ብሕድሪ ዝተዋህበና ቅዱስ ሓቅታት ንዘልኣለማዊ በረኸት ናይ ገዛእ ርእስናን ናይቶም ዝሰምዑናን ንጥቀመሉ ኢና።—1ጢሞ. 4:16