ሕቶ ሳጹን
◼ ሓደ ስርዓታዊ ፓይነር ናብ ሓንቲ ጉባኤ ምስ ዝቕይር እቲ ኣብታ ዝቐየረላ ጉባኤ ዘሎ ጸሓፊ እንታይ ክገብር ኣለዎ፧
እቲ ጸሓፊ በቲ ኣብ ድሕሪ እቲ ናይ ጉባኤ ጸብጻብ (S-1) ዘሎ ባዶ ቦታ ተጠቒሙ ንማሕበር ከፍልጣ ኣለዎ። ከምኡውን ብቅልጡፍ ምስቲ ኣብታ እቲ ፓይነር ዝነበራ ጉባኤ ዘሎ ጸሓፊ ብምርኻብ ንኹሉ እቲ ኣብ ፋይል ዘሎ ናይ ጉባኤ ናይ ኣስፋሒ ጸብጻብ ወረቓቕቲ (S-21) ምስናይዚ ድማ ካብታ ናይታ ጉባኤ ናይ አገልግሎት ኮሚተ መሰነይታ ደብዳቤ ክሓትት ይግብኦ።
ሓደ ፓይነር ኣርሒቑ ምስ ዝግዕዝ: መብዛሕትኡ ግዜ ዓሪፉ ንኽቕመጥን ጽቡቕ ናይ ኣገልግሎት ዑደት ንኽሃንጽን ገለ ግድላት የጋጥሞ ኢዩ። ሓደ ፓይነር እቶም ኣብታ ሓዳስ ጉባኤ ዘለዉ ሽማግለታት ብዝከኣል መጠን ከይተሸገረ ብቐሊሉ ምእንቲ ክዓዪ ዝገብርሉ ፍቕራዊ ደግፍ ኣጸቢቑ ኢዩ ዘማስወሉ።
መዘኻኸሪ:– እቲ ጸሓፊ ነቶም ኣብታ ውሽጢ ሃገር ካብ እትርከብ ጉባኤ ዝተቐየሩ ፓይነራት ጥራይ ኢዩ ናይ ፓይነራት ኣገልግሎት መንነት ካርድ (S-202) ቅያር ዘዳልወሎም። እቶም ካርዶም ዘጥፍኡ: ብምኽንያት መርዓ ወይ ፍትሐ ስሞም ዝቐየሩ: ወይ ከኣ ኣብ ትሕቲ ካልእ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ዝርከብ ከባቢ ዝግዕዙ: (ከምኡውን እቶም ካብ ካልእ ኣብ ውሽጢ ምብራቕ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር ዝገዓዙ) ፓይነራት ነቲ ሓድሽ ካርዶም ካብቲ ጸሓፊ ዘይኮነስ ካብ ማሕበር ኢዮም ክቕበልዎ ዝግባእ። እቲ ጸሓፊ ወይ እቲ ፓይነር ንማሕበር ክጽሕፈላ: ነቲ ኩነታት ክገልጸላ: ከምኡውን ሓዲሽ ካርድ ክሓታ ይግባእ።