ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 10/98 ገጽ 7
  • መሪሕነት ዝወስዱ ተዓዘብቲ —ጸሓፊ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መሪሕነት ዝወስዱ ተዓዘብቲ —ጸሓፊ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሕቶ ሳጹን
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1994
  • ኣገልገልቲ እቲ ብስራት
    ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
  • ነተን መጓሰ ዚጓስዩ ሓለውቲ
    ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
  • መዘኻኸሪ ንጸሓፍን ንናይ ኣገልግሎት ተዓዛብን
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
km 10/98 ገጽ 7

መሪሕነት ዝወስዱ ተዓዘብቲ — ጸሓፊ

1 እቲ ናይ ጉባኤ ጸሓፊ ‘ኵሉ ብስርዓትን በገባብን’ ከም ዝኸይድ ኣብ ምግባር ኣገዳሲ ግደ ኢዩ ዘለዎ። (1 ቈረ. 14:⁠40) ኣባል ናይ ጉባኤ ኣገልግሎት ኮሚተ ከም ምዃኑ መጠን: እታ ጉባኤ ንእትገብሮ ምጽሕሓፍ ይፍጽም: ካልእ ኣድለይቲ መዛግብቲ ኸኣ ይሕዝ። እቲ ዝፍጽሞ ዕዮ ከምቲ ናይቶም ካልኦት ሽማግለታት ብነፍሲ ወከፍ ካልእ ሰብ ዝርአ እኳ እንተ ዘይኰነ: እቲ ዝገብሮ ኣገልግሎት ኣዝዩ ኣድላይን ሞሳ ዝወሃቦን ኢዩ።

2 ካብ ማሕበር ወይ ካብ ካልእ እተጻሕፈ ደብዳበ ምስ ዝመጽእ: እቲ ጸሓፊ ይርእዮ: ኣድላዪ ክኸውን ከሎ ኸኣ መልሲ ይጽሕፍ። እቲ እተቐበሎ ደብዳበ ኵሎም ሽማግለታት ከም ዘንብብዎ ይገብር: ድሕርዚ ንመወከሲ ክኸውን የቐምጦ። ናይ መጽሔትን ጽሑፍን መሕተቲ ቅጥዕታት ይቈጻጸር: ናብ ማሕበር ከኣ ይልእኾ። ናይ ሕሳብን ኵንትራትን ኣገልገልቲ ዝዓይዎ ዕዮን ምስ ዓበይቲ ኣኼባታት እተተሓሓዘ ነገራትን ይቈጻጸር።

3 እቲ ጸሓፊ ናይታ ጉባኤ ወርሓዊ ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ክሳዕ ዕለት ሽዱሽተ ናይታ ወርሒ ኣብ ዘሎ ግዜ ናብ ማሕበር ክልእኾ ስለ ዝግባእ: ኵላትና ኣብ መወዳእታ ናይ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ቀልጢፍና ጸብጻብ ክንህብ ኣድላዪ ኢዩ። ድሕርዚ ነቲ ናይ ኣገልግሎት ጸብጻብ ናብቲ ናይ ጉባኤ ኣስፋሒ መዝገብ ወረቐት የሕልፎ። ዝዀነ ይኹን ኣስፋሒ ነቲ ናይ ብሕቱ ንጥፈት ዝገልጽ ወረቐቱ ንኽርእዮ ክሓትት ይኽእል ኢዩ።

4 ሓደ ኣስፋሒ ተቐይሩ ናብታ ጉባኤ ምስ ዝመጽእ እቲ ጸሓፊ ነቶም ንሽማግለታት ናይታ ዝመጽኣላ ጉባኤ: ናይቲ ኣስፋሒ ናይ ኣገልግሎት መዝገብ ወረቐት ምስ መሰነይታ ደብዳበ ገይሮም ክሰድሉ ክሓትት ይኽእል: ተቐይሩ ናብ ካልእ ጉባኤ ዝኸይድ ኣስፋሒ ምስ ዝህሉ ኸኣ ነቲ ናይ ጉባኤ ኣስፋሒ መዝገብ ወረቐት ምስ መሰነይታ ደብዳበ ገይሩ ይልእኽ።​—⁠ኣገልግሎትና (እንግሊዝኛ) ገጽ 104-5

5 እቲ ጸሓፊ ንንጥፈታት ናይቶም ፓይነራት ይርእዮ: ነቶም ሽማግለታት ብፍላይ ድማ ነቲ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ: ብዛዕባ እቲ ነቶም ፓይነራት ኣጋጢምዎም ክኸውን ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ግድላት ከም ዝፈልጡ ይገብሮም። ነቶም ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ዝመርሑ ኣሕዋት ኣብ ግራት ኣገልግሎት ስርዓታውያን ዘይኰኑ ኣስፋሕቲ ኣየኖት ምዃኖም ይነግሮም። እቲ ጸሓፍን ናይ ኣግልግሎት ተዓዛብን ነቶም ዝዛሕተሉ ሰባት ኣብ ምሕጋዝ ንዝግበር ጻዕርታት ኣብ ምትሕብባር መርሒነት ይወስዱ።​—⁠ናይ ሕዳር 1987 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና (እንግሊዝኛ) ገጽ 1

6 ነቲ ጸሓፊ ዝገብሮ ዕዮ ሞሳ ብምርኣይ: ነቲ ከም መጋቢ ኰይኑ ዝህቦ ኣገልግሎት ብቐሊሉ ክገብሮ ምእንቲ ክኽእል ንምሕጋዙ እንጽዕር ይግበረና።​—⁠1 ቈረ. 4:⁠2

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ