በታ ንዘለኣለም ምንባር እትበሃል መጽሓፍ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ምጅማር
1 እቲ ንሰባት ዘሎና ፍቕሪ ነቶም ንሓቂ ዝጠምዩን ዝጸምኡን ተመሊስና ክንሕግዞም ቅልጡፋት ክንከውን ክደፍኣና ኣለዎ ። (ማቴ. 5:6) ነታ እንረኽባ ክትዓቢ እትኽእል ተገዳስነት ክትቅህም ዘይንደልያ እንተኾይንና : ከነስተብህለላን ክንኩስኩሳን ይግብኣና ። ምድላው መፍትሕ ናይ ዓወት ኢዩ ።
2 ዕላማና ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ክኸውን ኣለዎ ። (ማቴ. 28:20) እታ ቀዳመይቲ ሕታም ናይዛ ንዘለኣለም ምንባር እትበሃል ናይ እንግሊዘኛ መጽሓፍ ከምዚ ዝስዕብ ሓሳብ ትህብ:- “እዛ መጽሓፍ እዚኣ ምስ ዝኾነ ይኹን ሰብ ማለት ንእሽቶ ይኹን ዓቢ ናይ ትምህርቱ ደረጃ ከየገደሰ ንጽንዓት ክትጥቀመላ እትኽእል ኣዝያ ጽብቕቲ መጽሓፍ እያ ።” ጽንዓት ክትመርሕ ቀሊል ብዝገብር መገዲ ስለ እተጻሕፈት : ሓደስቲ ኣስፋሕቲውን እንተኾኑ ግደ ክህልዎም እተኽእል እያ ። ሓደስቲ ጽንዓታት ናይ ምጅማር ዓወትና ኣብ እንገብሮ ስሉጥ ዝኾነ ተመላሲስካ ምብጻሕ እተመከሐ ኢዩ ።
3 ጽንዓት ብኸመይ ምጀመርና ? ተመሊስና ክንበጽሕ ከለና ዝርርብና ኩሉ ግዜ ምስቲ ኣብቲ ቀዳማይ ምብጻሕና ተላዒሉ ዝነበረ ገለ ነጥቢ ወይ ሕቶ ከነተኣሳስሮ ጽቡቕ ኢዩ ። ምናልባት ንኹነታት ናይ ምውታት ዝምልከት ተዘራሪብካስ “ነቶም ዝሞቱ ፍቑራትና እንታይ ተስፋ ኣለዎም ?” ዝብል ሕቶ ሓቲትካዮም ክትከውን ትኽእል ኢኻ ። ትንሳኤ መሰረት ዘለዎ ተስፋ ምዃኑን መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ዝተንስኡ ከም ዘለዉ ብዙሕ ኣብነታት መዝጊቡ ምህላውን ግለጽ ። ነቶም ኣብ ገጽ 167–9 ዘለዉ ስእላዊ መግለጺታት ተንትኖም ። ብድሕሪኡ ነቲ ኣብ ገጽ 166 ቍጽሪ 132ን ዘሎ ሓሳባት ተዛረበሉ ። ተገዳስነት እንተድኣ ተራእዩ ብዝሰፍሐ ንክትዘራረቡ ንኽትምለስ ዕድመ ኣቕርበሎም ።
4 ምስ ሓደ ኣብ ምዕባይ ቆልዑ ዘጋጥም እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ሽግር ዝግደስ ወላዲ ተዘራሪብካ ትኸውን ። ብናትካ ቃላት ገለ ነዚ ዝመስል ክትብል ትክእል ኢኻ :-
◼ “ኩሎም ወለዲ ንደቆም እቲ ዝበለጸ እዮም ዝምነዩሎም ። መጽሓፍ ቅዱስ ወለዲ ንደቆም ትርጉምን ዕላማን ዘለዋ እተዕግብ ህይወት ብኸመይ ከምዝረኽቡ ከሰልጥንዎም ዘኽእሎም መምርሒ ሒዛ ኣላ ። በዚ ምኽንያት እዚ ከኣ ኢና ስድራቤታት ሓቢረን ንመጽሓፍ ቅዱስ ክመሃርኦ ኣትርር ኣቢልና እንምሕጸን ። [ናብ ገጽ 246 ቍጽሪ 23 ተመልከት ።] እቲ እተረኽበ ፍልጠት ነታ ስድራቤት ዘለኣለማዊ በረኸት ከምጽኣላ ይኽእል ኢዩ !” ንዮሃንስ 17:3 ኣንብቦ ። ተመሊስካ ክትመጾምን እታ ስድራቤት ብኸመይ ጽንዓት ከም እትጅምር ከተርእዮምን ፍቓደኛ ምዃንካ ግለጸሎም ።
5 ሓደ መንእሰይ ወይ ሓድሽ ኣስፋሒ እንተኴንካ’ሞ ኣብቲ ቀዳማይ ምብጻሕካ ብዛዕባ ተሰፋ ናይ ገነት ኣሕጽር ኣቢልካ ተዛሪብካ እንተኔርካ ኣብ ገጽ 3 ናይታ መጽሓፍ ብምግንጻል ብቐሊሉ ገለ ነዚ ዝመስል በል :-
◼ “መጽሓፍ ቅዱስ እቶም ፍቓድ ኣምላኽ ዝገብሩ : ነዛ ኣብዚ ስእሊ እዚ ዘላ እትመስል ሓጐስን ሰላምን ዝመልአ ዓለም ክነብሩ ኣማዕድዮም ክርእዩ ከም ዝኽእሉ ኣተስፍዩ ኣሎ ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ነቲ በረኸት ክሕጐሰሉ እንታይ ክገብር ከምዝገብኣኒ ክመሃር ሓጊዛትኒ እያ ። ንስኻውን ብኸመይ ከምኡ ክትገብር ከም እትኽእል ከርእየካ ደስ’ዩ ዝብለኒ ።” ኣሕጽር ኣቢልካ ናይ ጽንዓትና ኣገባብ ግለጸሉ’ሞ ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ኣበርክተሉ ።
6 ናይ የሱስ ደቀ መዛሙርቲ ከም ምዃንና መጠን ንሰባት ክንሕግዞም ሓላፍነት ኣሎና ። (ሮሜ 10:14) ጽሑፋት ዓዲልና ወይ ድማ ጽቡቕ ዝርርብ ጌርና : ነቲ ተገዳስነት ክንኩስኩሶ ሓላፍነት ኣሎና ። (ማቴ. 9:37, 38) ነቲ ዕዮና ብግቡእ ጌርና እንተፈጺምናዮ ካብቲ በረኸታቱ ኩሎም ክካፈሉ ይኽእሉ እዮም ። — 1 ጢሞ 4:16