ነቲ መጽናዕቲ ናይ መጽሓፍ ራእይ ፍጻሜኡ ኣማስውሉ
1 ናይታ ራእይ ፍጻሜኡ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ኣብቲ ናይ ኣርእስቲ ገጽ ንራእይ 1:3 ትጠቅስ:- “እቲ ነዚ ቓል ትንቢት እዚ ዜንብብን እቶም ዚሰምዕዎን: . . . ብጹኣን እዮም።” እቲ ሓጐስ ናይ ህዝቢ የሆዋ ሎሚ: በቲ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ዘመናዊ ፍጻሜ ናይቲ ትንቢታት ብሓቂ ኣጸቢቑ ዓብዩ ኢዩ። ናይ ሕጂ ምርዳእና ናይቲ ኣብ “መዓልቲ ጐይታ” ዝኸውን ፍጻሜታት ኣብታ ራእይ—እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ! እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ተዘርዚሩ ኣሎ። (ራእ. 1:10) ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ብምጽናዕ: ብዛዕባ ኣገደስቲ ናይ ዓለም ፍጻሜታት ብፍላይ ድማ ነቶም ናይ ዓለም ሃጸይ ናይ ሓሶት ሃይማኖትን ነቲ ናይ መንግስታት ናብ ኣርማጌዶን ንቕድሚት ምድፋእን ከምኡውን የሆዋ ምስ ህዝቡ ብኸመይ ከም ዝመላለስን ጥልቕ ዝበለ ፍልጠት ክንረክብ ንኽእል ኢና።
2 መጽናዕቲ ናይዛ ሕታም እዚኣ ንብዙሓት ካባና ነቲ ቀደም ዝተመሃርናዮ ኣዘኻኺሩና ጥራይ ዘይኮነስ: ንመንፈሳዊ ኣመለኻኽታና ናብቲ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ኵሎም ጸላእቱ ዝዕወተላ መዓልቲ ኣቢሉ ዝመርሕ እዋናዊ ምዕባለታት ኣብሊሑዎ ኢዩ። ብርግጽ ኵላትና ነታ ራእይ ፍጻሜኡ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ኣብ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ክንወስዳ ምስ ጀመርና ክንጥቀም ኢና።
3 ኣብቲ እተጽንዕሉ ግዜ ብግቡእ ተዳሊኹም እንተድኣ መጺእኩም: ነቲ ብብርሃን ናይ ትንቢት ራእይ ዝገሃድ ዘሎ ናይ ዓለም ኵነታት ዝያዳ ብንጹር እናኣለለኹምዎ ምስ ከድኩም ኣዚኹም ክትህብትሙን ክትባረኹን ኢኹም። ብሓቂ ከምዚ ዝኣመሰለ መጽሓፍ ኣርዚንና ክንርእዮ ይግብኣና: ከመይሲ ሕጂ ካብ ካልእ ግዜ ንላዕሊ ኣዝዩ እዋናዊ ኢዩ። ነዚ ብዛዕባ ግዜና ዝምልከት ኣዝዩ ዘደንቕ እዋናዊ ትንቢት ከተንብብዎን ክትሰምዕዎን ከተስተንትንዎን ከሎኹም ነቲ እተተስፈወ ሓጐስ እተስተማቕርዎ ይግበርኩም!