ራእይ—እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ!
1 “እቲ ዘመን ቀረባ እዩ እሞ: እቲ ነዚ ቓል ትንቢት እዚ ዜንብብን እቶም ዚሰምዕዎን: ነቲ ኣብኡ ተጽሒፉ ዘሎውን ዚሕልውዎን ብጹኣን እዮም።” (ራእ. 1:3) እዘን ቃላት እዚኣተን: ብፍላይ ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና ዝበዝሕ ትንቢታት ዚፍጸመሉ ዘሎ ምዱብ ግዜ: መጽሓፍ ራእይ ንዘለዋ ጥቕሚ ዜጕልሓ እየን። ምስዚ ብምስምማዕ ካብ 8 ጥሪ 2007 እትጅምር ሰሙን ኣትሒዝና ኣብ ናይ ጉባኤ መጽናዕቲ መጽሓፍ ነታ ራእይ እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ! ዘርእስታ መጽሓፍ ከነጽንዓ ኢና።
2 ካብቲ ራእይ ፍጻሜኡ እትበሃል መጽሓፍ ዘጽናዕናላ ግዜ ኣትሒዙ ዅነታት ዓለም ብብዙሕ መገድታት ተቐይሩ እዩ። (1 ቈረ. 7:31) ብተወሳኺ: ኣብዚ እዋን እዚ ብዙሓት ምስቶም ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዚሰብኩ ዘለዉ ዝሓበሩ ሰባት: ንመጽሓፍ ራእይ ቍጽሪ ብቝጽሪ ንምጽናዕ ኣጋጣሚ ኸይረኸቡ እዮም ጸኒሖም። ኵልና ነታ ራእይ ፍጻሜኡ እትበሃል መጽሓፍ ምጽናዕና: ነቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ነገራት ነቒሕና ንኽንከታተል ኪሕግዘና እዩ።—ራእ. 16:15
3 ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ኣብቲ መጽናዕቲ ንምክፋል ቈራጽነት ግበር። እቲ እንመሃሮ ትምህርቲ ንኽንነቅሕ ጥራይ ዘይኰነስ: እቲ የሱስ ናብተን ሸውዓተ ማሕበራት ዝለኣኾ መልእኽቲ ንመንፈሳውነትና ይኹን ኣብ ኣገልግሎት ንዘሎና ተሳትፎ ብኣሉታ ኺጸሉ ዚኽእል ነገራት ንኸነርሕቕ እውን ኪሕግዘና እዩ።—ራእ. 1:11, 19
4 ብዚግባእ ተዳሎ:- ቅድሚ ነፍሲ ወከፍ መጽናዕቲ መጽሓፍ: ነተን ዚጽንዓ ጥቕስታት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንብበን። ነቲ ሓሳባት ንምግላጽ ዝቐረበ ቕዱስ ጽሑፋዊ መረዳእታ ኣስተብህለሉ። ልብኻ ምእንቲ ኽትንከፍ ግቡእ ምርዳእ ክትረክብ ጽዓር። (ነህ. 8:8, 12) ንኸተስተንትን ከምኡውን ንርእስኻ: “እዚ ብዛዕባ የሆዋን መፈጸምታ ዕላማኡን እንታይ እዩ ዚምህረኒ፧ ምስ ዕላማ ኣምላኽ ተሰማሚዐ ኽነብርን ንኻልኦት ክሕግዝን ዝኽእል ብኸመይ እየ፧” ኢልካ ንምሕታት ግዜ ውሰድ።
5 “መዓልቲ ጐይታ” ብ1914 ካብ እትጅምር ድሮ ተስዓን ክልተን ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። (ራእ. 1:10) ኣብ መጽሓፍ ራእይ ብትንቢት እተነግረ ኣገዳሲ ፍጻሜታት ኣብ ቀረባ ግዜ ፍጻሜኡ ኺረክብ እዩ። መጽሓፍ ራእይ ፍጻሜኡ ምጽናዕ ንልብናን ኣእምሮናን የሐድስ: እታ ‘ዓባይ መዓልቲ ውግእ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽን’ ሓዳስ ዓለምን ከም ዝቐረባ ንዘሎና እምነት ከኣ የደልድል።—ራእ. 16:14፣ 21:4, 5