ነቲ ኣብ ራእይ ዮሃንስ ዘሎ ዘደንቕ መልእኽቲ ኣውጁ
1 እታ ራእይ ፍጻሜኡ እትብል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ነቲ ኣብ ራእይ ዮሃንስ ተመዝጊቡ ዘሎ ዘደንቕ መልእኽቲ ክንርድኦ ሓጊዛትና ኢያ። ኣብዚ ወርሒ እዚ: ኣብ ኣገልግሎት ብምብርካት እቲ መልእኽቲ ንኻልኦት ብኸመይ ከም ዝትንክፎም ሞሳ ከርእዩ ሓግዝዎም። ንኣቀራርባኹም ክትዳለዉሉ ከሎኹም እዞም ዝስዕቡ ሓሳባት ሓገዝቲ ክኾኑ ይኽእሉ ኢዮም።
2 ግቡእ ዝኾነ ሰላምታ ድሕሪ ምሃብኩም ከምዚ ክትብሉ ትኽእሉ :-
◼ “ብዛዕባ እቶም ኣብ ራእይ ዘለዉ ኣርባዕተ ፈረሰኛታትዶ ሰሚዕኩም ትፈልጡ? [ክምልሱ ተጸበዩ] ብዛዕባ እዞም ኣርባዕተ ፈረሰኛታት ዝተፈላለየ መግለጺታት ክወሃብ ጸኒሑ ኢዩ። ግን እቲ ምሳልያዊ ምግላብ ናይቲ ሕጂ ዝፍጸም ዘሎ ክፍሊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢት ምዃኑን ኵላትና ድማ ኣብኡ እትዋት ምዃናን ትፈልጡዶ ኔርኩም? [መልሲ ተጸበዩ] እዚ ትንቢት እዝን ፍጻሚኡ’ውን ንዓና እንታይ ማለት ከም ዝኾነን ክትርድኡዶ ትደልዩ ኢኹም?” ቅኑዕ ተገዳስነት ምስ ዘርእዩ ነቲ ኣብታ ራእይ ፍጻሜኡ እትብል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ኣብ ምዕራፍ 16 ዘሎ መግለጺ ምስ ገለ ካብቲ ብፍሉይ ተጻሒፉ ዘሎ ብምትሕሓዝ ከተመልክቱሎም ትኽእሉ ኢኹም። ወይ ድማ በታ እዛ ዓለምሲ እዚኣስ ክትቅጽል ድያ? እትብል ንእሽቶ ጽሕፍቲ ጌርኩም ገለ ብዛዕባ እቲ ራእይ ሓሳብ ክትህቡ ትኽእሉ ኢኹም። ተገዳስነት ምስ ዝህሉ ነታ መጽሓፍ ኣበርክትዋ ወይ ድማ ተመሊስኩም ብዝያዳ ብዛዕባ እቲ ራእይን ትርጉሙን ክትዘራረቡ ቆጸራ ግበሩ።
3 ምናልባትውን ከምዚ ዝብል ኣተኣታትዋ ክትፍትኑ ትደልዩ ትኾኑ :-
◼ “‘ኣርማጌዶን’ እትብል ቃልዶ ሰሚዕኩም ትፈልጡ? [መልሲ ተጸበ] ብዙሓት ንግዜና ዝምልከት ኣዕናዊ ኑክሊራዊ ውግእ ኢዩ ዝመስሎም። ብርግጽ ኣርማጌዶን ካብዚ ዝተፈልየ እዩ። ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ንዓለም ነባሪ ሰላም ዘምጽኣላ ጽቡቕ ለውጢ ማለት ኢዩ።” ናይቲ ሰብ መልሲ ርኢኻ ንራእይ 16:16 ወይ መዝሙር 37:20, 11 ብምርኣይ ብቀጥታ ናብ ራእይ ፈጻሜኡ መጽሓፍ ምዕራፍ 39 ክትመርሖ ትኽእል ኢኻ። ቅኑዕ ዘኾነ ተገዳስነት እንተሃልዩ ነታ መጽሓፍ ከተበርክታ ትኽእል ኢኻ። እንተ ዘይኮይኑ ነታ እዛ ዓለም እዚኣስ ክትቅጽል ድያ? እትብል ትራክት ክትጥቀም ትመርጽ ትኸውን።
4 ከምዚ ዝብል ተጠቒምኩም ተገዳስነት ክትፈጥሩሎም ትኽእሉ ኢኹም :-
◼ “ኣብዚ ግዜ እዚ ብዙሓት ኣብ ብዘላ ዓለም ብዛዕባ ሞትን ትንሳኤን ናይ የሱስ ክርስቶስ እዮም ዝሓስቡ ዘለዉ። ካብ ዝትንስእ ክሳዕ ሕጂ እንታይ ይገብር ኣሎ ኢልካዶ ሓሲብካ ትፈልጥ? ብዙሓት ኣብ ግዜና ዝፍጸሙ ዘለዉ ዘደንቑ ነገራት ምስ ናይ የሱስ ግደ ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ዝተታሓሓዙ ኢዮም። ገሊኦም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ራእይ ዮሃንስ ተገሊጾም ኣለዉ። ብዛዕባ ዕላማ ኣምላኽ ንየሱስ ናብ ምድሪ ምስዳዱ ንዓኻን ነቶም እተፍቅሮምን እንታይ ማለት ምዃኑዶ ብዝያዳ ክትመሃር ትደሊ ኢኻ? ካብታ ራእይ ፍጻሜኡ እትብል መጽሓፍ ምዕራፍ 41 ቍጽሪ 1ን 2ን ወይ ድማ ካብ ሓደስቲ ሕታማት ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ወይ ተበራበሩ ኣድለይቲ ሓሳባት ክትሕብርዎም ትኽእሉ ኢኹም። ወይውን ዝያዳ ተገዳስነት ከተለዓዕሉሎም ነታ ህይወት ኣብቲ ሰላም ዝመልኣ ሓዳስ ዓለም እትብል ንእሽቶ ጽሕፍቲ ክትጥቀሙ ትደልዩ ትኾኑ።
5 ነቶም ተገዳስነት ዘርኣዩ ናብቲ ዝኽሪ ክትዕድምዎም ኣይትጠራጠሩ። ብናይ የሆዋ በረኸት ንገሊኦም ‘ክሰምዕዎን ነቲ ኣብኡ ተጽሒፉ ዘሎውን ክሕልውዎን’ ክትሕግዝዎም ትኽእሉ ኢኹም። — ራእ. 1:3