ነቲ መልእኽቲ ኣብ ግብሪ ከውዕልዎ ሓግዝዎም
1 ናይ ስብከት ዕዮና ሰባት ‘ንቃላት ናይ ትንቢት ራእይ ዮሃንስ ክሰምዕዎ’ ኣጋጣሚ ይህቦም። (ራእ. 1:3) ካብቲ “ብርቱዕ ጸበባ” ምእንቲ ክድሕኑ ግን ክዓይሉ ኣለዎም። (ራእ. 7:14) ናይ ህይወት ሕቶ ኢዩ! ስለዚ ናብቶም ኣብዚ ወርሒ እዚ ዝተጠቐምኩምሎም መእተዊ ተገዳስነት ዘርኣዩ ክትምለስዎም ርግጸኛታት ኩኑ።
2 ነታ “ራእይ ፍጻሜኡ” እትብል መጽሓፍ ሓዲግኩምሎም እንተኾይንኩም ከምዚ ክትብሉ ትኽእሉ :-
◼ “ካልኣይ ግዜ ክረኽበኩም ዘሐጉስ ኢዩ። ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ብዛዕባ ሓደ ካብቲ ትንቢታት ናይ ራእይ ዮሃንስ ተዘራሪብና ነይርና: ብዛዕባኡ ዝገልጽ መጽሓፍውን ሓዲገልኩም ነይረ። ምንም እኳ ራእይ ዮሃንስ ዕሙቕ ዝበለ እንተኾነ: ነዚ ሕጂ ዝፍጸም ዘሎ ኵነታት ምስቶም ብዙሓት መሰረታውያን ሓቅታት ናይ መጽሐፍ ቅዱስ ብምግንዛብ ክትርድእዎ ትኽእሉ ኢኹም። ብዛዕባ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንግዜና ብዝምልከት ዝህቦ ሓሳባት መብርሂ ክህበኩም ምፈቶኹ ነይረ።” ብድሕሪኡ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትጅምርሉ ናብ እትኽእልሉ ሕታም ኣቢልኩም ኣምርሑ።
3 ኣብቲ ናይ መጀመሪያ ምብጻሕኩም ነታ “እዛ ዓለም እዚኣስ ክትቅጽል ድያ?” እትብል ንእሽቶ ጽሕፍቲ ሓዲኩምሎም እንተ ደኣ ኔርኩም ከምዚ ክትብሉ ትኽእሉ :-
◼ “ሎሚ ኣብ ገዛ ስለ ዝረኸብኩኹም ሕጉስ ኢየ። ኣብ ዝሓለፈ ክበጽሓኩም ከሎኹ ብዛዕባ እቶም መወዳእታ ቅድሚ ምዃኑ ክፍጸሙ ዘለዎም ዘቑሙ ምልክታት ተዘራሪብና ነይርና። [ዝሰማምዑ ምልክታት ካብ ማቴዎስ 24:3–14 ጥቐሱ] ኣብዚ ቀረባ ግዜ ክፍሊ ናይቲ ምልክት ክኸውን ዝኽእል ገለ መፈጸምታ ነገርዶ ኣብዛ ዓለም ወይ ኣብ ከባቢና ተዓዚብኩም ኣሎኹም?” በቲ ኣብ ምዕራፍ 16 ናይ መጽሓፍ ራእይ ፍጻሜኡ ዘሎ መግለጺታት ጌርኩም ብዛዕባ እቲ መፈጸምታኡ ዝረኸበ ትንቢታት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓሳብ ሃቡ። ኣብ መወዳእታ ኣርእስቲ ናይቲ ኣብታ ሰሙን እቲኣ ዝወሃብ ህዝባዊ ዝርርብ ብምጥቃስ ናብ ኣደራሽ መንግስቲ ዓድምዎ።
4 ነቲ በዓል ገዛ ናብቲ ዝኽሪ እንተዓደምኩምዎ ከምዚ በሉ :-
◼ “ኣብ ዝሓለፈ ክበጽሐኩም ከሎኹ ሞት ናይ የሱስ ንወዲ ሰብ ኣገዳሲ ምዃኑ ተዘራሪብና ነይርና። ኣብቲ ዝበዓል ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ክርስትያናት ዘብዕልዎ ዝኽሪ ሞቱ ክትካፈሉውን ዓዲመኩም ነይረ። ሎሚ ኣብ ከምዚ ዝበለ ዘገድስ በዓል ከም ዝተዓደምኩም ከዘክርኩም እየ መጺአ ዘሎኹ። [ግዜን ቦታን ናይቲ በዓል ንገሮም] በቲ የሱስ ንደቂ ሰባት ዝገበረሎም ረኺብናዮ ዘሎናን ክንረኽቦ ዘሎና በረኸትን እንተ ተመልከትና ንቑም ነገር ናይቲ ኣጋጣሚ ከተማስዉሉ ክሕግዘኩም ኢዩ።” ካብ ሓደስቲ መጽሔታት ወይ ካብታ ራእይ ፍጻሜኡ እትብል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ኣብ ምዕራፍ 41 ዝሰማማዕ ነጥብታት ጌርኩም ክትዘራረቡ ፈትኑ። ወይውን ነቲ ኣብ ገጽ 294: 299: 308 ዘለዉ መግለጺታት ከተብርህዎም ትኽእሉ ኢኹም። እንተ ተኻኢሉ ነቲ ተገዳሲ ናብቲ ዝኽሪ ክመጽእ ምትዕርራይ ግበሩ።
5 እቲ ሰብ ዘይቃወም ምስ ዝኸውን ከምዚ ምባል ውጽኢታዊ ክኸውን ይኽእል ኢዩ :-
◼ “ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልቲ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተዘራረብናዮ ኣዝዩ የሐጒሱኒ ኢዩ። ሕጂ ተመሊሰኩም ዘሎኹ ምኽንያት ነቲ ኣምላኽ ነቶም ብዛዕባኡ ክመሃሩ ዝደልዩ ተመባጺዕዎ ዘሎ ክትሕጎሱሉ ኢለ ኢየ።” ዮሃንስ 17:3 ኣንቢብካ ነታ ህይወት ኣብታ ሰላም ዝመልኣ ሓዳስ ዓለም እትብል ንእሽቶ ጽሕፍቲ ኣርእዮም።
6 እቲ ንህይወት ዘሎኩም ፍቕርን ኣብቲ በጅነት ዘሎኩም ሞሳን ነቶም ዝተገደሱ ተመሊስኩም እትበጽሕዎም ይግበርኩም። ነቲ ኣብ ራእይ ዮሃንስ ዘሎ ዘደንቕ መልእኽቲ ክዓይሉ ሓግዝዎም። “እቲ ዘመን ቀረባ” ምዃኑ ዘክሩ! — ራእ. 1:3