ካብቶም እተሓደሱ ህዝባዊ ዝርርባት ምጥቃም
1 ዘመናዊ ታሪኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር በተን ኣብ ምሳሌ 4:18 ዘለዋ ቃላት ብልክዕ ተገሊጹ ኣሎ:- “መገዲ ጻድቃን ግና ከም ብርሃን ወገግታ እያ: ፍጹም መዓልቲ ኽሳዕ ዚኸውን ከኣ: እናወሰኸት ትበርህ።”
2 ምስ እዚ ብምስምማዕ: እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብዛዕባ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርትታት እዋናዊ መብርህን እተሓደሰ ሓበሬታን ምቕባል ትቕጽል ኣላ። (ማቴ. 24:45–47) ምናልባት ካብቲ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትሓብር ዝጀመርካሉ ግዜ ኣትሒዙ ብዛዕባ እዚ እተዓዘብካዮም ኣብነታት ክትህብ ትኽእል ትኸውን። ናይ ጉባኤ ኣኼባታት: ህዝባዊ ዝርርባት ሓዊስካ: ምስቲ ዝውስኽ ዘሎ ብርሃን ናይ ሓቂ ማዕረ ማዕረ ክንስጕም ይሕግዘና ኢዩ።
3 እተሓደሰ እተዋጽአ ሓሳባት:- ኣብዚ ቀረባ ግዜ: ማሕበር ብዙሕ ናይ ህዝባዊ ዝርርባት እተዋጽአ ሓሳባት ኣሐዲሳቶ ኣላ። ሓደስቲ ነገራት ተወሲኹዎም ኣሎ: ከምኡውን ኣገደስቲ ነጥብታት በሪሆም ኢዮም። እታ ጉባኤ ካብዚ ሓድሽ ሓበሬታ እዚ ብምሉእ ክትጥቀም እንተድኣ ኰይና: እቶም ህዝባዊ ዝርርብ ዝህቡ ኣሕዋት ነዚ ናይ ቀረባ ግዜ እተዋጽአ ሓሳባት ጥራይ ክጥቀሙ ኣለዎም።
4 ካብ ህዝባዊ ዝርርባት ዝለዓለ ጥቕሚ ንምርካብ: ንኣርእስቲ ናይቶም ዝዋሃቡ ዝርርባት ሕሰበሎም። ቅድሚ ናብቲ ናይ ህዝባዊ ዝርርብ ኣኼባ ምምጻእካ: ብዛዕባ እቲ ኣርእስቲ ዝምልከት ናይ ቀረባ ሓበሬታ ካብ ቲኦክራቲካዊ ምንጭታት ክትዝክር ፈትን። ብድሕሪኡ ክትሰምዕ ከሎኻ ብዛዕባ ቀጺሉ ዝስዕብ እናሓሰብካ ነቲ ኣማዓባብላ ናይቲ ሓበሬታ ተኸታተሎ። ንዝመጽእ ምእንቲ ክትጥቀመሉ ዝኾነ ሓድሽ ኣገባብ ኣቀራርባ ናይዚ ሓቅታት እዚ መዘኻኸሪ ውሰድ። እዚ ካብቲ እተሓደሰ ህዝባዊ ዝርርባት ዝለዓለ ጥቕሚ ከም እትረክብ ከረጋግጸልካ ኢዩ።
5 ህዝባዊ ዝርርባት ዝሕብርን ንሰማዕቲ ዘነቓቕሕን ክኸውን ኣለዎ:- የሱስ ክዛረብ ከሎ ልቢ ሰማዕቱ ረኺቡ ኢዩ። ኣብቲ የሱስ ኣብ ከረን ዝገበሮ ስብከት: ከምቲ ማቴዎስ 7:28 “እቶም ህዝቢ ብምህሮኡ ተገረሙ” ኢሉ ዝገልጾ ክሳዕ ሕጂ ካብ እተዋህቡ ዝርርባት ኣዝዩ ፍሉጥ ህዝባዊ ዝርርብ ኢዩ።
6 ናይ የሱስ ኣብነት ኣብ ኣእምሮኦም ብምሓዝ: ኣካል ሽማግለታት ሓደስቲ ህዝባዊ ዝርርብ ዝህቡ ኣሕዋት ክምዝዙ ከለዉ ንፉዓት ማሃርቲ: ነቲ ናይ ማሕበር እተዋጽአ ሓሳባት ጥብቕ ኢሎም ዝኽተሉ ከምኡውን ናይ ሰማዕቲ ኣቓልቦ ክረኽቡ ዝኽእሉ ምዃኖም ከረጋግጹ ጥንቃቐ ክገብሩ ኣለዎም። እቶም ህዝባዊ ዝርርብ ክህቡ እተመዘዙ ኣሕዋት: ካብቶም ሽማግለታት ዝወሃቦም ምኽርን ሓሳባትን ብምቕባል ናይ ዘረባ ክእለቶም ከማዕብሉ ብቐጻሊ ክጽዕሩ ኣለዎም።
7 ከምቲ ኣብ ኢሳይያስ 65:13, 14 ብትንቢት ተገሊጹ ዘሎ መንፈሳዊ ምዕብልና ናይ ህዝቢ ኣምላኽ ግሁድ እናኾነ ይቕጽል ኣሎ። ሓደ ካብቲ “ብየሆዋ እተማሃርና” እንኾነሉ ብዙሕ መገድታት ናይ ህዝባዊ ዝርርብ ምድላው ኢዩ።—ኢሳ. 54:13 ትሓዓ