ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 5/95 ገጽ 7
  • ሕቶ ሳጹን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶ ሳጹን
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ዕዮ ዘዕጥቐና ቤት ትምህርቲ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
  • ወትሩ እናኣመሓየሽካ ኺድ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • የሆዋ፡ ዕዮ ስብከት ንኽንፍጽም የሰልጥነና
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
  • ኣብ ኣማሃህራኻ ዘየቋርጽ ኣቓልቦ ግበር
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1994
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
km 5/95 ገጽ 7

ሕቶ ሳጹን

◼ ናብ ኣኼባታት እንታይ ክንወስድ ይግብኣና?

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ጠቓሚ መምርሕን መተባብዕን ንረክብ ኢና። (ኢሳ. 48:​17፣ እብ. 10:​24, 25) ክሳዕ ክንደይ ከም እንጥቀም ግን: ብዓቢኡ ኣብቲ ተዳሊና ወይ ከይተዳሎና ምምጻእ ዝምርኰስ ኢዩ።

ነፍሲ ወከፍ ኣባል ናይ ስድራቤት: ነቲ ኣኼባታት ዘድሊ ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ መጽናዕቲ ጽሑፋትን ካልእ ነቲ ኣኼባ ዘድሊ ነገራትን ክህልውዎ ጸቡቕ ኢዩ። እዚ መጽሓፍ ቅዱስ: ናይ መዝሙር መጽሓፍ: እቲ ዝጽናዕ ዘሎ ጽሑፍ(ፋት): ናይ መዘኻኸሪ ጥራዝ ከምኡውን ብርዒ ወይ ርሳስ የጠቓልል።

ነቲ ናይ ቲኦክራቲካዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ዝኸውን ናይ ቲኦክራቲካዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ መደብ መምርሒ ከምኡውን ናይ ቲኦክራቲካዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ መምርሒ መጽሓፍ የድልያ ኢየን። እዘን ነገራት እዚኣተን ነቲ በቲ ተማሃራይ ዝወሃብ ፍረ ነገር ናይቲ ዝርርብ ኣብ ኣእምሮና ክንሕዞ ከምኡውን እቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ምዕዶ ክህብ ከሎ ክንከታተሎ የኽእለና። ዝርርብናን ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣቀራርባናን ምእንቲ ከነመሓይሽ ነቲ ምዕዶን ሓሳባትን ብብሕትና ኣብ ግብሪ ከነውዕሎ ንኽእል ኢና። ካብ ጥሪ ጀሚሩ እቲ ሃናጺ ዝርርባት ኣብተን ሓድነት ኣምልኾ ናይቲ ሓደ በይኑ ሓቀኛ ኣምላኽ ከምኡውን ‘ኵሉ ቅዱስ ጽሑፍ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶን ጠቓምን ኢዩ’ እተባህላ መጽሓፍቲ እተመርኰሰ ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራቤት ናይ ገዛእ ርእሱ ቅዳሕ ክህልዎ ኣይክእልን ይኸውን፣ የግዳስ እታ ስድራቤት መወከሲ ምእንቲ ክህልዋ ሓንቲ ጥራዝ ከተምጽእ ትኽእል ኢያ።

ንናይ ኣገልግሎት ኣኼባ እዋናዊ ናይ መንግስትና ኣገልግሎት ከምኡውን መጽሓፍ ምምርማር (እንግሊዝኛ) የድልያና ኢየን። ኣብቲ ግዜ ኣኼባ ዝጥቀስ ዝዀነ ሕታም: ከም ብተዋስኦ መልክዕ ንምቕራብ እንጥቀመሎም ጽሑፋት ምሳኻ ተማላእ። ሽማግለታት ቅዳሕ ናይታ ኣገልግሎትና ንምፍጻም እተመሓደርና እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ ወይ ኣምሓርኛ) ክማልኡ ኣለዎም።

ወለዲ: ደቆም ስቕ ኢሎም ኮፍ ክብሉን ናብቲ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ከቕልቡን ክጽዕሩ ኣለዎም። ምንባብ ቅድሚ ምኽኣሎም እውን ይኹን ናይ ብሕቶም ቅዳሕ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ካልእ ሕታማት ምሃቦም ተገዳስነት ክገብሩ የተባብዖም ኢዩ። ንኣሽቱ ንቲኦክራቲካዊ ጽሑፋት ከኽብርዎምን ክጥቀምሎምን እንተደኣ ተማሂሮም ንምሉእ ዕድሚኦም ዝኸውንን ጥዑይን መንፈሳዊ ልምድታት ይሃነጹ ኢዮም።

እቲ ካብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት እንረኽቦ ሓጐስን ዕግበትን ምሉእ ብምሉእ ተዳሊና ምስ እንመጽእ ኢዩ ክሰፍሕ ዝኽእል። (2 ጢሞ. 3:​17) እዚ ‘በቲ ፍልጠት ፍቓዱ [ናይ ኣምላኽ] ብዅሉ መንፈሳዊ ጥበብን ኣእምሮን ከም እተመላእና’ እነረጋግጸሉ ዝበለጸ መገዲ ኢዩ።’​—⁠ቈሎ. 1:⁠9

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ