ዕዉት ተመላሊስካ ምብጻሕ ስሉጥ ኣመሃህራ ይሓትት
1 ተመላሊስካ ምብጻሕ ኣገዳስን ዘሐጕስን ክፍሊ ናይ ግራት ኣገልገሎትና ኢዩ። ኣብቶም ተገዳስነት ዘርኣዩ ተመሊስና ክንበጽሕ ጻዕረኛታት ክንከውን ዝግብኣናስ ስለምንታይ ኢዩ፧ ስም የሆዋ ዝፍለጥን ዝኽበርን ከምኡውን ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት ነታ መገዲ ክረኽብዋ ዝሕገዙ በዚ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ኢዩ። (2 ቈረ. 2:17–3:3) ክልቲኡ ምቕዳስ ስም የሆዋን ህይወት ናይ ካልኦትን እቱው ምዃኑ ምፍላጥና ቅድሚ ምምላስና ጽቡቕ ገይርና ንኽንዳሎ ከለዓዕለና ኣለዎ።
2 ንፉዕ መምህር ነቲ ተማሃራይ ኣብቲ ድሮ እተነብረ መሰረት ክሃንጽ ኢዩ ዝሕግዞ። ከምቲ ናይ ቤት ትምህርቲ መምህር ኣብቲ ተማሃሮ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ዝድልብዎ ፍልጠት ዝሃንጽ: ኵሉ ግዜ ብዛዕባ እቲ ኣርእስቲ እቲ ተወሳኺ ሓሳባት ብምሓዝ ነቲ ቀዳማይ ምብጻሕና ክንከታተሎ ኣሎና። እዚ ነቲ ሓሳባት ክተሓሓዝን ማዕባሊ ኣተሓሳስባ ከም ዝህሉን ይገብር ኢዩ።
3 ነታ “ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧” እትበሃል ብሮሹር (እንግሊዝኛ) ኣበርኪትካ እንተድኣ ነይርካ: ነዚ ስሉጥ ኰይኑ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ሰላም! ካልኣይ ግዜ ክረኽበካ ደስ ኢዩ ዝብለኒ። ኣብ ዝሓለፈ ምብጽሐይ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ‘ዳሕሮት መዓልትታት’ ከምኡውን እዚ ንዓና እንታይ ምዃኑ ተመያይጥና ነይርና። ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ንነብር ምህላውና ብኸመይ ከም እንፈልጥ ትግረም ትኸውን። (2 ጢሞ. 3:1) ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ነዛ ሕቶ እዚኣ መልሲ ክረኽቡላ ህንጡያት ኢዮም ነይሮም። [ንማቴዎስ 24:3 ኣንብባ።] ኣብ መልሱ: የሱስ ነዞም ሎሚ ንኣና ዝምልከቱ እንርእዮም ዘሎና ኵነታት ኢዩ ገሊጹ። እዚኣቶም ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ጭንቀትን ዓመጻን የጠቓልሉ።” ነቲ ኣብ ገጽ 19 ቍጽሪ 3ን 4ን ተገሊጹ ዘሎ መልክዕ ናይቲ ምልክት ኣርኢ። እቲ መልሲ ዝሰማማዕ እንተድኣ ኰይኑ ነቶም ኣብ ገጽ 20 ካብ ቍጽሪ 5 ክሳዕ 8 ዘለዉ ካልኦት መልክዓት ናይቲ ምልክት ኣርኢ። ተመሊስካ መጺእካ ነቲ ኣብቲ ናይ ቅድሚት ገበር ዘሎ ሕቶ ከም እትምልስ ንገሮ።
4 “ዕላማ ህይወት እንታይ ኢዩ—ብኸመይከ ክትረኽቦ ትኽእል፧” ኣብ እትበሃል ብሮሹር (እንግሊዝኛ) እተራእየ ተገዳስነት ንኽትከታተሎ: ከምዚ ክትብል ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ነቲ ብዛዕባ ናይ ምንባርና ዕላማ እተዛረብናዮ ክንቅጽሎ ተሃንጥየ ኢየ ቀንየ። ኣምላኽ ኣብዚ ሕጂ እነሕልፎ ዘሎና ህውከት ክንነብር ዘይኰነስ: ኣብዛ ምድሪ ኣብ ሕጕስን ሰላማውን ኵነታት ክንነብር ከም ዝሓለነ ክልቴና እንሰማምዓሉ ጉዳይ ይመስለኒ። መብጽዓዑ ክፍጽም ኢዩ ኢልካዶ ትሓስብ፧” መልሲ ተጸበ። ንኢሳይያስ 55:11 ኣንብባ እሞ ብድሕሪኡ ነቲ ኣብ ገጽ 30 ቍጽሪ 25 ክሳዕ 27 ዘሎ ሓሳባት ተመያየጠሎም። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ብሕታዊ መጽናዕቲ ህይወት ቁም ነገር ዘለዎ ዕላማ ንኽትረክብ እቲ ዝበለጸ መገዲ ምዃኑ ሓብር።
5 ኣብታ “ኣብ ምድሪ ብምንባር ተሓጐሱ” እትበሃል ብሮሹር እተራእየ ተገዳስነት ንኽትከታተሎ: መሊስካ ነቲ ስእሊ ብምግንጻል ከምዚ ክትብል ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ብዛዕባ እታ ኣብ ገበር ናይዛ ብሮሹር እዚኣ ተገሊጻ ዘላ ጽብቕቲ ዓለም ተዘራሪብና ነይርና። ነቶም ኣብዚ ክነብሩ ዝደልዩ ሰባት ኣብ የሱስ ክርስቶስ እምነት ከርእዩ ስለምንታይ ኣድላዪ ከም ዝዀነ ክነግረኩም እደሊ ኣሎኹ።” ናብ ስእሊ 41 ብምግንጻል ንኢሳይያስ 9:6 ኣንብባ። ናብ ስእሊ 62 ኣመልክት እሞ ንኣድላይነት ናይ ምእዛዝ ብምጕላሕ ንዮሃንስ 3:16 ኣንብብ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ንሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕን ብምኽርታቱ ክነብሩ ብምፍታንን ብኸመይ እምነት ከም ዘርእዩ ክማሃሩ ይሕግዝዎም ከም ዘለዉ ግለጽ።
6 ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ተመላሊስካ ምብጻሕ: ስሉጥነትካ ንምምዕባል ብምሕሳብ ነቲ እትገብሮ ምብጻሕ መርምሮ። ንገዛእ ርእስኻ ከምዚ ኢልካ ሕተታ:- ክዛረቦ ዝደሊ ፍሉጥ ነገርዶ ኣብ ኣእምሮይ ሒዘ ነይረ፧ እቲ ኣቓልቦ ናብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘተኵርዶ እገብር ነይረ፧ ኣብቲ ናይ ፈለማ ምብጻሕ እተገብረ መሰረት ድየ ሃኒጸ፧ እቲ ኣቀራርባይ ናብ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ዝመርሕ ድዩ ነይሩ፧ ኣወንታዊ መልስታት: ንፉዕ መምህር ናይ ቃል ኣምላኽ ንኽትከውን ትጽዕር ከም ዘሎኻ መረጋገጺ ይህብ ኢዩ።