ብትብዓት ተዛረቡ
1 ሎሚ ሰባት ኣብ ዓለማዊ ዕዮታት ክሰርሑ: ናብ ከም እኒ ዕዳጋ ዝኣመሰለ ብምኻድ ንስድራቤቶም ክኣልዩ: ወይ ከኣ ካልእ ኣብ ቤቶም ከም ዘይርከቡ ዝገብሮም ማለት ኣብ መዘናግዒ ክጽመዱ ልሙድ ኢዩ። ሰባት ኣብ ቤቶም እንተዘየልዮም: ኣብ ካልእ ቦታ ከም ዘለዉ ፍሉጥ ኢዩ። ሸቶና ንሰባት ምዝርራብ ስለ ዝዀነ: ነቶም ኣብ መገዲ: ኣብ ዕዳጋ: ወይ ከኣ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ እንረኽቦም ሰባት ስለምንታይ ዘይነዘራርቦም። ጳውሎስ ‘ንዝረኸቦም’ ሰባት ቀሪቡ ክምስክረሎም ልማዱ ኢዩ ነይሩ። (ግብ. 17:17) እዚ ኣብቲ ግዜ እቲ ፍረ ዘለዎ ኣገባብ ምስክርነት ምዃኑ ተራእዩ ኢዩ: ኣብዚ ግዜና እውን ፍረ ዘሎዎ ኣገባብ ስብከት ኢዩ።
2 ካብ ቤት ናብ ቤት ክንከይድ ከሎና: መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ስቕ ኢሎም ክዛወሩ ወይ ከኣ ሰብ ክጽበዩ ከለዉ ንርኢ ኢና። ኣብ ዘሐጕሶም መዓልቲ: ኣብ ግዳም ኰፍ ኢሎም ወይ ድማ ይሰርሑ ይህልዉ። ዕላል ንምጅማር ዘድልየና ዕርክነታዊ ፍሽኽታን ምሕዝነታዊ ሰላምታን ጥራይ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ እንተድኣ ኰይኖም ምናልባት ኣብ ገዝኦም ዝሰኣንናዮም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ እሞ ምስኣቶም ንምዝርራብ እዛ ኣጋጣሚ እዚኣ ስለ ዝረኸብና ሕጉሳት ምዃንና ክንጠቕሰሎም እውን ንኽእል ኢና። ንእሽቶ ትብዓት ንምውሳኽ ተበግሶ ብምውሳዶም ብዙሓት ፍረ ዘለዎ ተመኵሮታት ኣስተማቒሮም ኢዮም።
3 ትብዓት ፍረ ኣለዎ:- ሓደ ሓው ነቶም ደው ዝበሉ: ኣውቶቡስ ዝጽበዩን ሸናዕ እናበሉ ዝዛወሩን ወይ ድማ ኣብ ማኪናኦም ኮፍ ዝበሉን ሰባት ቀሪቡ ከም ዘዘራርቦም ገለጸ። ብምዉቕ ፍሽኽታን ደስ ብዘብል ድምጽን ልክዕ ከም ሓደ ክበጽሕ ዝደለየ: ሕዉስ ጐረቤት ኰይኑ ኢዩ ዝቐርብ። በዚ መገዲ እዚ ብዙሕ ጽሑፋት ክዕድል ክኢሉ ጥራይ ዘይኰነስ ብዙሕ ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ክመርሕ ክኢሉ ኢዩ።
4 ስለዚ ኣብ ዝመጽእ ግዜ ሰንበት ወይ ኣብ ካልእ መዓልቲ ናይ ሰሙን: ካብ ቤት ናብ ቤት ክትምስክሩ ከሎኹም: ኣብ ቤት ሰባት እንተ ዘይረኺብኩም: ንእሽቶ ትብዓት ወሲኽኩም ነቶም ኣብ መገዲ ወይ ኣብ ካልእ ቦታታት ዝረኸብኩምዎም ሰባት ዘይተዘራርብዎም፧ (1 ተሰ. 2:2) መብዛሕትኹም ድሮ ብዙሕ ናይ መገዲ ዕዮ ትገብሩ ከም ዘሎኹም እተረጋገጸ ኢዩ። እቲ ሕጂ መዘራረቢ ኰይኑ ዘሎ ነጥቢ ግን ኣብ ፌርማታ ኣውቶቡስ ምጽባይ ወይ ከኣ ነቲ ቀጺልካ እትረኽቦ ሰብ ክሳዕ እተዘራርቦ ንብዙሕ ደቓይቕ ኰለል ምባል ዘይኰነስ ንሰባት ረኺብካ ብትብዓት ምዝርራቦም ኢዩ። ንሰባት ብናይ ገጾም ትርኢት: ኣቐዲምኩም ኣይትፍረድዎም። እቲ ሰብ ኣዝዩ እተሃወኸ እንተዘይኰይኑ: ናብኡ እናጠመትኩም ምሕዝነታዊ ሰላምታ ኣቕርብሉ። በቲ ሓደ ወገን ከኣ: ኣብዚ እዋን እዚ መብዛሕትኡ ኣገልግሎትኩም ካብ መገዲ ናብ መገዲ ወይ ከኣ ኣብ ህዝቢ ዘለዎ እንተድኣ ኰይኑ: ብዙሕ ናይ ቤተ-ቤት ኣገልግሎት ንምምዳብ እቲ ዘድሊ ትብዓት ከተርእዩ ፈትኑ። ፍረ ዘለዎ ኣገልግሎት ክህልወኩም ኢዩ: ኣብ ኣገልግሎትኩም ድማ ዓቢ ሓጐስ ክትረኽቡ ኢኹም።