ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 1/96 ገጽ 8
  • ገለ ሰባት ንምድሓን ተመለሱ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ገለ ሰባት ንምድሓን ተመለሱ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካብ ኣምላኽ ዝርከብ ፍልጠት ብዙሕ ሕቶታት ኢዩ ዝምልስ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
  • ምዕዳል መጽሔት ናብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትቅይሮ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
  • ንኻልኦት ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ስረጸሎም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
  • ሓቂ ምዝራብ ቀጽሉ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
km 1/96 ገጽ 8

ገለ ሰባት ንምድሓን ተመለሱ

1 “ዅሉ ሰብ ክድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ” ፍቓድ ኣምላኽ ኢዩ። (1 ጢሞ. 2:⁠4) ንኽንሕግዝ እንታይ ክንገብር ምኸኣልና፧ ሓቂ ንምምሃር ብዝብል ዕላማ ተመላሲስካ ምብጻሕ ግበር። እንታይ ኢኻ ክትብል፧ እዚ ዝስዕብ ርእይቶታት ክሕግዘካ ይኽእል ኢዩ።

2 ጽንዓት ንምጅማር ቀጥታዊ ኣቀራርባ ተጠቒምካስ ጽቡቕ ምላሽ ረኺብካ እንተድኣ ነይርካ: ምስ ተመለስካ ከምዚ ክትብል ትኽእል:⁠-​

◼ “ኣብ ዝሓለፈ ምስ ተዘራረብና: መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ ስለምንታይ ጠቓሚ ከም ዝዀነ ዝገልጽ ምኽንያታት ተዘራሪብና ነይርና። ብዝበለጸ ንምፍጻሙ ናይ ሓቂ ጻዕሪ ምርኣይ: ነቲ ኣምላኽ ኣዳልዩልና ዘሎ ነገር ከነማስወሉ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። [ዮሃንስ 17:⁠3 ኣንብብ።] ንሕና: ንኣሽሓት ሰባት ኣምላኽ እንታይ ተመባጺዑ ከም ዘሎን ብኸመይ ከነሐጕሶ ከም እንኽእልን ብዝያዳ ንኽማሃሩ ዝሓገዞም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ፕሮግራም ኣማዕቢልና ኢና።” ንመጽሓፍ ፍልጠት ወይ ከኣ ንዘለኣለም ምንባር (እንግሊዝኛ) ኣርእዮ: ነቲ ኣርእስታት ሕልፍ በሎ: ከመይ ገይርና ጽንዓት ከም እንመርሕ ድማ ኣርኢ።

3 በታ “ንናብራ ስድራቤትካ ሕጉስ ምግባር” እትበሃል ዘበርከትካያ መጽሓፍ ገይርካ በዚ ዝስዕብ ኣቀራርባ ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ:⁠-​

◼ “መጀመርታ ክበጽሓካ ከሎኹ: በቲ ንስድቤትካ እተርእዮ ተገዳስነት ተመሲጠ ኢየ። ስድራቤታት ኣብዘን እንነብረለን ዘሎና ዳሕሮት መዓልትታት ናይዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ክነብራ ከለዋ: ንዝመጽእ ድልዋት ኰይነን ክጸንሓ ኣድላዪ ኢዩ። ምስ እዚ ብምስምማዕ ድማ እታ ንናብራ ስድራቤትካ ሕጉስ ምግባር እትበሃል ዝገደፍኩልካ መጽሓፍ: ኣብ ቤት ስርዓታዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ክግበር ብጽኑዕ ኢያ እትላቦ። [ኣብ ገጽ 185⁠-​6 ቍጽሪ 10 (እንግሊዝኛ) ኣንብብ።] ፍቓድካ እንተድኣ ዀይኑ: ኣብ ገለ 200 ዝዀና ሃገራት ዝነብሩ ሰባት ኣብ ቤቶም ከም ናይ ስድራቤት ጕጅለታት ኰይኖም ብኸመይ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝመያየጡ ብሒደት ደቓይቕ ከርእየካ ደስ ይብለኒ።” ግዜ ከም ዘፍቅዶ: ነቲ ኣብ ገጽ 71 ኣብ ትሕቲ ንኡስ ኣርእስቲ ዘሎ ሓሳባት ተጠቒምካ ነቲ መጽናዕቲ ኣርእዮ።

4 ናይ ተመላሊስካ ምብጻሕ ሸቶ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ምዃኑ ኣይትረስዕ። እታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትበሃል ሓዳስ መጽሓፍ ከምኡውን መጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር ብፍላይ ጽንዓታት ንምምራሕ ኢየን ተዳልየን። ነቶም ናይ ቀደም መጻሕፍቲ ዝዓደልናዮም ብምክትታል ጽንዓት እንተድኣ ጀሚርና: ኣቓልቦኦም ናብዘን ሓደስቲ መጻሕፍቲ ክገብሩ ከነተባብዖም ጽቡቕ ኢዩ። እቶም ዘጽንዑ ንኽድሕኑ ስም የሆዋ ምጽዋዕ ክማሃሩ ከለዉ: ዓብዪ ሓጐስ ክንረክብ ኢና።​—⁠ግብ. 2:⁠21

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ