ንኻልኦት ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ስረጸሎም
1 ሰብ ነቲ ናይ እርጋን መስርሕ ብምድንጓይ ናይ ህይወቱ ዕድመ ንምንዋሕ እተፈላለየ መገድታት እኳ እንተ ኣናደየ: እርጋንን ሞትን ግን ገና ኣየልገሰን። መጽሓፍ ቅዱስ: ሰባት ስለምንታይ ከም ዝኣርጉን ከም ዝሞቱን: ከምኡውን እዚ መበላሸዊ ዝዀነ እርጋን ብኸመይ ከም ዝድምሰስን ሞት ብኸመይ ከም ዘልግስን ስለ ዝገልጽ ክሳዕ ክንደይ ኰን መመስገንቲ ኢና። እዚ ሓቅታት እዚ ኣብታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ ብዘእምን መገዲ ተገሊጹ ኣሎ። እታ መጽሓፍ: ነቲ ኣንባቢ ገነት እትምለሰሉ ግዜ ብምሕባር: ነቲ ንህይወትን ሞትን ዝምልከት ዘደናግር ሕቶታት ኣነጺራ እትምልስ ኢያ።
2 ኣብ ወርሒ መጋቢት ናይ ቤት ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምጅማር ብዝብል ሸቶ መጽሓፍ ፍልጠት ከነበርክት ኢና። (ማቴ. 28:19, 20) ድሕርዚ ንዅሎም እቶም ኣብ መልእኽቲ እታ መንግስቲ ተገዳስነት ዘርኣዩ ሰባት ተመላሊስካ ምብጻሕ ክንገብረሎም ኢና። በዚ መገዲ እዚ ድማ ንኻልኦት ናይ ዘለኣለም ህይወት ተስፋ ከነሕድረሎም ንኽእል ኢና። (ቲቶ. 1:2) ነዚ ንምፍጻም ከኣ: ነዚ ስዒቡ ቐሪቡ ዘሎ ሓሳባት ሓጋዚ ዀይኑ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።
3 ኣብቲ ናይ ፈለማ ምብጻሕካ: ከምዚ ብምባል ክትሓትት ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ሰባት ነዊሕ ዕድመ ንኽነብሩ ሃረር ዝብሉ ስለምንታይ ምዃኑ ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ።] ክርስትያናትን ሂንዱን እስላምን ካልኦት ኵሎምን ድሕሪ ሞት ህይወት ኣሎ ዝብል ተስፋ ኣሎዎም።” ነቲ ኣብ መጽሓፍ ፍልጠት ዘሎ “ስለምንታይ ኢና እንኣርግን እንመውትን፧” ዝብል ምዕራፍ 6 ገንጽል እሞ ቍጽሪ 3 ኣንብብ። ነቲ ሓሳባቱ ዘይተጠቕሰ ጥቕስታት ግለጾ። ነቲ ኣብ መወዳእታ እቲ ሕጡብ ጽሑፍ ዘሎ ክልተ ሕቶታት ብምጥቃስ: ነቲ መልሱ ክርእዮ ዝደሊ እንተድኣ ዀይኑ ነቲ በዓል ቤት ሕተቶ። መልሲ ክረክብ ዝብህግ እንተድኣ ዀይኑ: ነቲ ስዒቡ ዘሎ ሒደት ቍጽርታት ተመያየጠሉ። ሕጂ ጽንዓት ተጀሚሩ ኣሎ ማለት ኢዩ! እንተ ዘይኰይኑ ድማ: ነታ መጽሓፍ ከንብባ ግደፈሉ እሞ ንኽትምለስ መደብ ግበር: ነቲ መልስታቱ ንምምይያጥ ድማ ሓደ ወይ ክልተ መዓልቲ ጸኒሕካ ክትምለስ ኢዩ ዝምረጽ።
4 ነቲ መጽሓፍ “ፍልጠት ” ዘበርከትካሉ ሰብ ክትከታተሎ ከለኻ: ከምዚ ክትብል ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ነተን ከይመለስና ዝገደፍናየን ንሞት ዝምልከታ ክልተ ሕቶታት ክንዘራረበለን ኢየ ተመሊሰ።” እተን ሕቶታት ነቲ በዓል ቤት ኣዘኻኽሮ። ድሕርዚ ነቲ ኣብ ምዕራፍ 6 “እኩይ ውዲት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ዘሎ ሓበሬታ ተመያየጠሉ። ኵነታት ከም ዝፈቐዶ: ነቲ ጽንዓት ቀጽሎ ወይ ድማ ነቲ ኣብ ካልእ ግዜ እትገብሮ ምይይጥ መሰረት ንምንባር ነቲ ኣብ መወዳእታ ቍጽሪ 7 ዘሎ ናይ መወዳእታ ሕቶ ተጠቐም። ንኽትምለስ ፍሉጥ መደባት ኣውጽእ። ነቲ በዓል ቤት ናይ ዕድመ ወረቐት ሃቦ: ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ድማ ብኸመይ ከም ዝካየድ ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጸሉ። ንኽካፈል ድማ ብውዕዉዕ ስምዒት ዓድሞ።
5 ካብ ቤት ናብ ቤት ይኹን ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ክትህብ ከለኻ: ከምዚ ብምባል ምይይጥ ክትጅምር ትኽእል ኢኻ:-
◼ “መጻኢ ግዜ ንዓናን ንምድርን ዓቚርዎ ዘሎ እንታይ ምዃኑ ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ ንመጻኢ ግዜ ብሓንቲ ቓል—ገነት! ብምባል የጠቓልሎ ኢዩ። ብመጀመርታ: ኣምላኽ ንእተወሰነት ናይ ምድሪ ክፍሊ ገነት ከም ዝገበረን: ነቶም ዝፈጠሮም ሰብኣይን ሰበይትን ድማ ኣብኣ ከም ዘንበሮምን ይገልጽ ኢዩ። ቀስ ብቐስ ናብ ገነት ብምልዋጥ: ንምልእቲ ምድሪ ክመልእዋ ነበሮም። ምልእቲ ምድሪ ገነት ነይራ እንተ ትኸውን ከመይ ዝበለ መልክዕ ከም ዝህልዋ እሞ ኣስተብህለሉ።” ንመጽሓፍ ፍልጠት ገጽ 8 ገንጽል እሞ ነቲ “ህይወት ኣብ ገነት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ዘሎ ቍጽሪ 9 ኣንብብ። ድሕርዚ ነቲ ኣብ ቍጽሪ 10 ዘሎ ነጥብታት ተመያየጠሉ: ነቲ ኣብኡ ተጠቒሱ ዘሎ ኢሳይያስ 55:10, 11 ድማ ኣንብብ። ኣብታ እተመልሰት ገነት ህይወት ከመይ ከም ዝመስል ነቲ ምይይጥ ንምቕጻልን ንቝጽሪ 11-16 ብሓባር ኴንኩም ንምሽፋንን ዓድሞ። ወይ ድማ እቲ ሰብ ባዕሉ ከንብባ ኣተባብዓዮ: እንደገና ተራኺብኩም ንኽትመያየጡ ድማ መደብ ኣውጽእ።
6 ኣብ ፈለማ ጽንዓት እንተድኣ ዘይተጀሚሩ: ኣብ ተመላሊስካ ምብጻሕ ጽንዓት ንምጅማር ከምዚ ብምባል ክትፍትን ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ኣብ ዝሓለፈ ዝርርብና ተመያይጥናሉ ከም ዝነበርና: ምልእቲ ምድሪ ናብ ገነት ክትልወጥ ዕላማ ኣምላኽ ኢዩ። እዚ ድማ ‘ገነት ከመይ ክትመስል ኢያ፧’ ዝብል ሕቶ የልዕል።” ኣብ መጽሓፍ ፍልጠት ምዕራፍ 1 ገንጽል እሞ ነቲ “ህይወት ኣብታ እተመልሰት ገነት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ዘሎ ቍጽሪ 11-16 ኣጽንዕ። ብድሕሪኡ ነቲ ኣብ ገጽ 4-5 ዘሎ ስእላዊ መግለጺ ኣርእዮ እሞ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ምልኩዕ ከባቢታት ክነብር ዝፈቱ እንተድኣ ዀይኑ ሕተቶ። ድሕርዚ ነቲ ኣብ ገጽ 10 ቍጽሪ 17 ዘሎ ናይ መጀመርታ ምሉእ ሓሳብ ኣንብብ። ኵነታት ከም ዝፈቐዶ ድማ: ነቲ ጽንዓት ቀጽሎ ወይ ድማ ሓደ ሰብ ኣብታ እተመልሰት ገነት ምእንቲ ክነብር እንታይ ክገብር ከም ዘድልዮ ኣብ ዝቕጽል ምብጻሕካ ክትገልጽ ምዃንካ ንገሮ። ናይ ዕድመ ወረቐት ሕደገሉ: ናይ ኣኼባ መደብ ንገር: ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ክካፈል ድማ ብምዉቕ ስምዒት ዓድሞ።
7 መጽሓፍ ፍልጠት ነቲ ኣምላኽ እተማባጽዖ “ናይ ዘለኣለም ህይወት” ንኻልኦት ንምግላጽ ክንጥቀመላ እንኽእል ብልጽቲ መሳርሒት ኢያ። ንሰባት ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ብምምራሕ: ነዚ በቲ “ዘይሕሱ” ኣምላኽ እተገልጸ ዓቢ ተስፋ እዚ ክትሰርጸሎም ትኽእል።