ንየሱስ ብምምሳል ነቲ ብስራት ኣብ ጸጽባሕ ምእዋጅ
1 የሱስ ኣብ ምድሪ መጺኡ ከሎ ዝፍጽሞ ፍሉይ ዕዮ ነይርዎ ኢዩ። እዚ ድማ “ንሓቂ ኽምስክር” ምዃኑ ፍሉጥ ኢዩ ነይሩ። (ዮሃ. 18:37) ነቲ ናይ ኣቦኡ ድንቂ ባህርያትን ዕላማታትን ዝገልጽ ሓቂ ኣዊጁ ኢዩ። እዚ ዕዮ እዚ ንዕኡ ከም መግቢ ኢዩ ነይሩ፣ ምሉእ ናብራኡ ድማ ኣብኡ ተሓጺሩ ነበረ። (ዮሃ. 4:34) ሉቃስ: የሱስ ብቐጻሊ ‘ኣብ ጸጽባሕ ይምህር ከም ዝነበረ’ መዝጊብዎ ኣሎ። (ሉቃ. 19:47) የሱስ ነቲ ዝነበሮ ግዜ መሊኡ ይጥቀመሉ ነበረ። (ዮሃ. 9:4) ቀቅድሚ ሞቱ: ንኣቦኡ “ኣነ ነቲ ኽገብሮ ዝሀብካኒ ግብሪ ፈጺመ: ኣብ ምድሪ ኣኽበርኩኻ” ክብሎ ክኢሉ ኢዩ።—ዮሃ. 17:4
2 ኣልባብና በቲ ዅሉ የሆዋ ዝገበሮ ነገራት ብሞሳ እንተድኣ መሊኡ: ኣብ ጸጽባሕ ብዛዕብኡ ንምዝራብ ክንለዓዓል ኢና። ልክዕ ከምቶም ብትብዓት “ንሕናስ ነቲ ዝርኤናዮን ዝሰማዕናዮን ምዝራቡ ኽንሓድግ ኣይኰነልናን እዩ” ዝበሉ ሃዋርያት የሱስ ድማ ንኸውን። (ግብ. 4:20) ብዛዕባ የሆዋ ምዝራቦም ቀጻሊ ኢዩ ነይሩ: ከመይሲ እቲ ጸብጻብ “[“ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ:” ትሓዓ] . . . ምምሃርን ምስባኽን ኣየብኵሩን ነበሩ ” ኢዩ ዝብለና። (ግብ. 5:42) ንገዛእ ርእስና ‘ኣነኸ ንየሱስ መምህረይ እመስሎዶ ኣሎኹ፧’ ኢልና ክንውከሳ ይግብኣና።
3 ብህጹጽ ምስባኽ:- የሱስ መልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ምስ ተኣወጀ: ‘ሽዑ መወዳእታ ከም ዝመጽእ’ ተነብዩ ኢዩ። (ማቴ. 24:14) እዚ ነቲ ናይ ዕዮና ኣገዳስነትን ህጹጽነትን ኣርዚንና ከም እንሓስበሉ ክገብረና ይግብኦ። ህይወት ናይ ሚልዮናት ሰባት ኣብ ሓደጋ ስለ ዘሎ: ከምዚ ዕዮ’ዚ ገይሩ ኣገዳስን ጠቓምን ዝዀነ ካልእ ዕዮ ፈጺምና ክንረክብ ኣይንኽእልን ኢና። እዚ ኣገባብ እዚ መወዳእታኡ ይቐርብ ስለ ዘሎ: ነዚ ዕዮ እዚ ንምውዳእ ተሪፉ ዘሎ ግዜ ጐዲሉ ኢዩ!
4 የሆዋ ነቲ ምእካብ ናይ ኣባጊዕ መሰል ሰባት የቀላጥፎ ከም ዘሎ ጸብጻብ ይገልጸልና ኢዩ። (ኢሳ. 60:22) ኣብ ብዙሕ ወገናት ዓለም: ሰባት ቃል ብቓሉ ናብ ሓቂ ይውሕዙ ኢዮም ዘለዉ: ብሓጐስ እተላዕለ ድማ: “እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከም ዝዀነ ሰሚዕና ኢና እሞ: ምሳኻትኩም ክንከይድ ኢና” ይብሉ ኣለዉ። (ዘካ. 8:23) “እቲ እኽሊ ብዙሕ እዩ: ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም። ስለዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእከሉ ለምንዎ” ዝብል ቃላት የሱስ: ካብ ዝዀነ ይኹን ናይ ዝሓለፈ እዋን: ከም ሎሚ ገይሩ ሓቅነቱ ተጋሂዱ ኣይፈልጥን። (ማቴ. 9:37, 38) እዚ ከምቶም ‘ንኣምላኽ እናወደሱ ኵሉ ሳዕ ኣብ ቤተ መቕደስ ዝነብሩ ዝነበሩ’ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ቀናኣት ንኽንከውን ኣየለዓዕለናንዶ፧—ሉቃስ 24:53
5 እቲ ሓቂ ኣብ ጸጽባሕ ከም ዝፍለጥ ግበር:- መዓልቲ መዓልቲ: ሓቂ ንኻልኦት እነካፍለሉ መገድታት ሃሰስ ክንብል ይግብኣና። ኣጋጣሚታት ብቐሊሉ ይርከቡ ኢዮም። ንሓደ ይቕበል ኢዩ እትብሎ ዓርክኻ ወይ ከኣ እትፈልጦ ሰብ ብስልኪ ንኸተዘራርቦ ሒደት ደቓይቕዶ ክትምድብ ምኸኣልካ፧ ወይ ከኣ ንሓደ ኣብ ቤት ክትረኽቦ ዘይከኣልካ ሰብ ደብዳብ እንተጸሓፍካሉኸ፧ ክትዓዳድግ ከሎኻ ነቲ ብዓል ድኳን ትራክት ክትዕድሎ ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧ ንስኻውን ተስፋኻ ንኻልኦት ንምክፋል ምእንቲ ክትጥቀመሉ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ክትረኽቦ እትኽእል ካልእ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ክትሓስብ ትኽእል ኢኻ። ጻዕሪ ገይርካ ሒደት ትብዓት ድማ እንተድኣ ኣርኢኻ የሆዋ ክሕግዘካ ኢዩ።—1 ተሰ. 2:2
6 ስለዚ እምበኣር: ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ንጥፈታትና ክንጅምር ከሎና: ንገዛእ ርእስና ‘ሎሚ: ኣጋጣሚ እንተድኣ ተኸፊቱለይ ተስፋይ ንኻልእ ሰብ ከካፍሎ ተበግሶ ክገብር ድየ፧’ ኢልና ክንውከስ ይግብኣና። ንኣመለኻኽታ ናይቲ ‘ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብኽ ይግብኣኒ እዩ’ ብምባል ናብ ምድሪ እተላእከሉ ምኽንያት ዝገለጸ የሱስ ንቕድሓዮ። (ሉቃስ 4:43) ንመምህርና ክንመስል ንደሊ እንተድኣ ኴንና: ከምኡ ክንገብር ኢና።—ሉቃስ 6:40