ብተደጋጋሚ ክንበጽሖም ኣሎና
1 ሓደ ሰብ ብዛዕባ እቲ ብስራት ንመጀመርታ ግዜ ምስ ተዛረበካ ብጽቡቕ ተቐቢልካዮዶ፧ ጽቡቕ ገይርካ ዘይተቐበልካዮ እንተ ዄንካ ግን: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ እትጅምር ብተደጋጋሚ ስለ ዝበጽሑኻ መመስገኒ ኽትከውን ኣሎካ። ኣብቲ እተመደብካዮ ዞባ ብተደጋጋሚ ከተገልግል ከለኻ: ብዛዕባ እዚ ክትሓስብ ሰናይ ኢዩ።
2 ህይወት ሰባት ብቐጻሊ ይለዋወጥ ኢዩ ዘሎ። ሓደስቲ ጸገማት ወይ ኵነታት የጋጥሞም: ኣብቲ ዝነብርሉ ማሕበረሰብ ወይ ኣብ ዓለም እተገብረ ዘጨንቕ ፍጻመታት ይሰምዑ: ብቝጠባዊ ጸገማት ይጭነቑ: ወይ ከኣ ሓደ ካብ ኣባል ስድራቤቶም ይሓምም ወይ ይመውት። ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ምስ ዘጋጥሞም: ስለምንታይ እዚ ጸበባታት እዚ ከም ዘሎ ክፈልጡ ከም ዝደልዩ ይገብሮም ይኸውን። ንኣእምሮ ሰባት ዘጨንቕ ነገራት ኣየናይ ምዃኑ ፈሊና ክንፈልጦ: ድሕርዚ ዘጸናንዕ መልእኽቲ ሒዝና ክንከዶም ኣሎና።
3 እዚ ህይወት ዘድሕን ዕዮ ኢዩ:- ብዛዕባ ኣብ ሓደ ዕንወት ዘጋጠመ ቦታ ዘለዉ ህይወት ሰብ ከድሕኑ እተዋፈሩ ሰራሕተኛታት እሞ ሕሰብ። ኣብ ገሊኡ ቦታ ዘለዉ ሒደት ደሓንቲ ይረኽቡ እቶም ኣብ ካልእ ቦታ ዘለዉ መሳርሕቶም ግን ብዙሓት ደሓንቲ ብምርካቦም እቶም ኣብቲ ሒደት ደሓንቲ ዝርከቦ ቦታ ዘለዉ ተስፋ ቈሪጾም ቀስ ኣይብሉን ከምኡውን ኣየቋርጹን ኢዮም። እቲ ሰባት ንኽድሕኑ እንገብሮ ዕዮ ዛጊት ኣይተወድአን። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት: “ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ” ክድሕኑ ዝደልዩ ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ይርከቡ ኣለዉ።—ራእ. 7:9, 14
4 “ነፍሲ ወከፍ ስም እግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ኺድሕን ኢዩ።” (ሮሜ 10: 13-15) እዘን ቃላት እዚኣተን ብቐጻሊ ምስባኽ ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ንኽንርዳእ ክድርኻና ኣለወን። ዞባና ንመጀመርታ ግዜ ካብ እንሽፍኖ ኣትሒዙ ክሳዕ ሕጂ: ቈልዑ ዓብዮም ብዛዕባ መጻኢኦምን ዕላማ ህይወትን ብርዝነት ንኽሓስቡ እኹላት ኰይኖም ኣለዉ። ኣብ መወዳእታ መኖም ንሓቂ ከም ዝቕበል ክንፈልጥ ኣይንኽእልን ኢና። (መክ. 11:6) ብዙሓት ቀደም ተቓወምቲ ዝነበሩ ሓቂ ተቐቢሎም ኢዮም። ዕዮና ሰባት ሰሚዖም ካብ ጥፍኣት ናይዛ ኣረጊት ዓለም ንምድሓን ብቐጻሊ ኣጋጣሚ ክንከፍተሎም ድኣ እምበር ክንፈርዶም ኣይኰነን። ከምቲ እቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ዝገብርዎ ዝነበሩ: ናብቶም ሰባት ‘ብቐጻሊ ክንከይድ:’ ኣብ መልእኽቲ እታ መንግስቲ ዘለዎም ተገዳስነት ከኣ ከነለዓዕል ክንጽዕር ኣሎና።—ማቴ. 10:6, 7 NW
5 ንኽንሰብኽ ገና ኣጋጣሚ ምርካብና መግለጺ ምሕረት የሆዋ ኢዩ። (2 ጴጥ. 3:9) ካልኦት ነቲ መልእኽቲ ብተደጋጋሚ ንኽሰምዕዎ ኣጋጣሚ ምስ እንህቦም: ፍቕሪ ኣምላኽ ነጕልሕ: በዚ ኸኣ ንኣምላኽ ነመስግኖ።