ሓድሽ ናይ መዓልቲ ፍሉይ ኣሰምብሊ ፕሮግራም
መስከረም 1999 ዝጅምር ናይ መዓልቲ ፍሉይ ኣሰምብሊ ፕሮግራም “ንመዓሙቝ ኣምላኽ ምምርማር” ዝብል ቀንዲ ኣርእስቲ ኣለዎ። (1 ቈረ 2:10) እንታይ ክቡር ነገራት ኢና ክንመሃር፧
ብዙሓት ሰባት ኣብቲ ፍልጠት ንምርካብ ዝገብርዎ ጻዕሪ በቲ ዝረኽብዎ ኣይረውዩን ኢዮም። ናይ ወረዳ ተዓዛቢ “ቃል ኣምላኽ ምምርማር የርዊ” ኣብ ዘርእስታ ዝርርቡ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘነቓቕሓና ኽገልጽ ኢዩ። “ንስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ ኢኹም እትርእይዎ፧” ኣብ ዝብል ዝርርብ እቲ በጻሒ ተዛራቢ መዓሙቝ ኣምላኽ ምምርማር ምስ ስብከት ብስራት ብኸመይ ከም ዝተሓሓዝ ከብርሆ ኢዩ።
ወለዲ ንደቆም ኣብ ቃል ኣምላኽ ኣዕሚቖም ንኽዅዕቱ ብኸመይ ክሕግዝዎም ምኸኣሉ፧ “ቃል ኣምላኽ ኣብ ደቅኹም ከም ዝስረጽ ግበሩ” ዝብል ክፍሊ: ተግባራዊ ሓሳባት ክህብ ኢዩ። ክርስትያን መንእሰያት እቲ ምስቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ብመንፈስ ዝበሰሉ ኣሕዋትን ኣሓትን ዝገብርዎ ሕብረት ብጽቡቕ ኢዩ ዝጸልዎም። “ካብ ዓበይቲ ዝመሃሩ መንእሰያት” ዝብል ክፍሊ ንገለ ኻብቲ ንኣሽቱ ብኣወንታ ዝጽለዉሉ መገድታት ከጕልሕ ኢዩ።
የሆዋ ገላጽ ምስጢራት ኢዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ሕቡእ መንፈሳዊ መዝገብ ሃለው እንብል ስለምንታይ ኢና፧ እቲ በጻሒ ተዛራቢ “የሆዋ ዓሚቝ ነገራት ካብ ምግላጽ ኣቋሪጹ ኣይፈልጥን” ዝብል ዝርርብ ክህብ ከሎ ነቲ የሆዋ ኣብ ግዜ ጥንትን ኣብ ዘመንናን ዝገለጾ ነገራት ከብርሆ ኢዩ። እዚ ኸኣ ነቲ “መዓሙቝ ኣምላኽ ምምርማር” ክንቅጽል ዝገበርናዮ ውሳነ ዘደልድሎ ኢዩ።
ኣብዚ ኣኼባ እዚ ንምክፋል ካብ ሕጂ መደብ ግበር። እቶም ህይወቶም ንየሆዋ ከም ዝወፈዩ ብጥምቀት ከርእዩ ዝደልዩ ብእተኻእለ መጠን ቀልጢፎም ንኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ከፍልጥዎ ኣለዎም። እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዓሚቝ ኵዕታ ንኽንገብር ዘሎና ዊንታ በቲ ኣብቲ ኣኼባ እንሰምዖ ነገራት ክውስኽ ኢዩ። ስለዚ እዛ መንፈሳዊ ትምህርቲ ዝወሃበላ ፍልይቲ መዓልቲ ኸይትሓልፈካ!