“ብግቡእ ጊዜ እተዘርበ ቓል”
1 እቲ ህይወት ዝሓዘ መልእኽቲ ንኻልኦት ምንጋር በዳሂ ይዀነካዶ ኢዩ፧ ሰማዕትኻ ንምምሳጥ ሓደ ዕምቝ ዝበለ ነገር ክትዛረብ ከም ዘሎካ ኰይኑ ይስምዓካዶ ኢዩ፧ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ክልእኾም ከሎ “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ አላ: ኢልኩም ስበኹ” በሎም። (ማቴ. 10:7) እቲ መልእኽቲ ቀሊልን ዘይተሓላለኸን ኢዩ ነይሩ። ሕጂውን ካብዚ እተፈልየ ኣይኰነን።
2 መብዛሕትኡ ግዜ ዝርርብ ንምጅማር ሒደት ቃላት ኢዩ ዘድሊ። ፊልጶስ ምስቲ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ምስ ተራኸበ “እዚ እተንብቦስ ተስተውዕሎዶ አሎኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። (ግብ. 8:30) “ብግቡእ ግዜ እተዘርበ ቓል” ከመይ ዝበለ ፍረ ዘለዎ ምይይጥ ኰን ኢዩ ዘስዓበ!—ምሳ. 25:11
3 ኣብ ኣገልግሎትካ ተመሳሳሊ መእተዊ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ብኸመይ፧ መስተብሃሊ ብምዃንን ምስቲ ኵነታት ዝሰማማዕ ቃላት ብምምራጽን ኢዩ። ሕቶ ሕተት: ነቲ ዝወሃበካ መልሲ ድማ ጽን ኢልካ ስማዕ።
4 ገለ መሰረታዊ ሕቶታት:- ዝርርብ ንምብጋስ ካብዚ ስዒቡ ዘሎ ሕቶታት ሓዲኡ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ኣብ ኣምልኾኻ ጸሎት ጐይታ (ወይ ኣቡነ-ዘበሰማያት) ተዘውትርዶ ኢኻ፧” (ማቴ. 6:9, 10) ገለ ክፋል ናይታ ጸሎት ጥቐስ: ብድሕሪኡ ድማ ከምዚ በል:- “ገለ ሰባት ‘እቲ የሱስ ይቀደስ ዝበሎ ስም ኣምላኽ ኣየናይ ኢዩ፧’ ኢሎም ይሓቱ። ካልኦት ከኣ ‘እታ የሱስ ክንጽልየላ ከም ዝግበኣና ዝነገረና መንግስቲ ኣየነይቲ ኢያ፧’ ኢሎም ይሓቱ። ነዚ ሕቶታት እዚ ዘዕግብ መልሲ ረኺብካሉዶ ኢኻ፧”
◼ “ ‘ትርጕም ህይወት እንታይ ኢዩ፧’ ኢልካ ሓቲትካዶ ትፈልጥ፧” እዚ ንኣምላኽ ምስ ምፍላጥ ከም ዝተሓሓዝ ኣረድኣዮ።—መክ. 12:13፣ ዮሃ. 17:3
◼ “ሞት ዘይህልወሉ ግዜ ዝህሉዶ ይመስለካ፧” ዘተኣማምን መልሲ ንምሃብ ኢሳይያስ 25:8ን ራእይ 21:4ን ተጠቐም።
◼ “ነዚ ኣብ ዓለም እንርእዮ ዘሎና ህውከት ቀሊል መፍትሒ ኣለዎዶ ኢዩ፧” ኣምላኽ “ንብጻይካ . . . ኣፍቅሮ” ኢሉ ከም ዝምህር ኣርእዮ።—ማቴ. 22:39
◼ “ሓደ እዋን ኣድማሳዊ ዕንወት ንምድርና ከጥፍኣዶ ኢዩ፧” ምድሪ ንዘለኣለም ከም እትነብር ዝገልጽ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መብጽዓ ንገሮ።—መዝ. 104:5
5 ነቲ ብስራት ብቕልል ዝበለ: ንጹር: ከምኡውን ሕያውነት ብዘንጸባርቕ መእተዊ ኣቕርቦ። የሆዋ ነቲ ብሓንቲ “ቓል” እውን ትኹን ሓቂ ንሰባት ንምንጋር እትገብሮ ጻዕሪ ክባርኾ ኢዩ።