ኣብ ኣገልግሎትኩም ‘ኣዚኹም ትሑዛት’ ኩኑ
1 ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ቈረንቶስ ድንኳን ይሰፊ ምንባሩ ምስ እነንብብ: ንኽሰብኽ ዝነበሮ ኣጋጣሚ ደሪትዎ ኢዩ ኢልና ንሓስብ ንኸውን። ግብሪ ሃዋርያት 18:5 ግን “ጳውሎስ: እቲ የሱስ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ንኣይሁድ እናመስከረ: ብዕዮ እቲ ቓል ጸኒዑ [“ኣዝዩ ትሑዝ:” NW ] ነበረ” ኢያ ትብል። ጳውሎስ ብዕዮ ስብከት ክሳዕ ክንድዚ ትሑዝ ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧ ብዙሓት ሰብ ቈረንቶስ ድሮ ኣመንቲ ዀይኖም እኳ እንተ ነበሩ: ጐይታ ግን ገና ብዙሓት ተወሰኽቲ ሰባት ደቀ መዛሙርቲ ከም ዝዀኑ ኣረጋጊጽሉ ነበረ። (ግብ. 18:8-11) ኣብ ኣገልግሎትና ኣዚና ትሑዛት ክንኰነሉ ዘኽእለና ተመሳሳሊ ምኽንያትዶ ኣሎና ኢዩ፧ እወ። ሓቂ ዝማሃሩ ብዙሓት ሰባት ክርከቡ ይኽእሉ ኢዮም።
2 ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ኣገልግሎት ዝያዳ ሰዓታት ኣሕልፉ:- ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ብስራት ኣብ ምስባኽ ትሑዝ ንምዃን ሸቶ ከም ዘሎካ ፍሉጥ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ገለ ኣዋርሕ ኣብ ንጥፈታትና ‘ኣዚና ትሑዛት’ ንኽንከውን ዝያዳ ኣጋጣሚታት ይኽፈተልና ኢዩ። እዚ ድማ ነታ በዓል ዝኽሪ እትውዕለላ ወርሒ ሚያዝያ ዘጠቓልል ኢዩ። ኣብዚ ወቕቲ እዚ ሓጋዚ ፓይነር ንኽትከውን ወይ ኣብ ኣገልግሎት እተሕልፎ ሰዓታት ንኽትውስኽ ኵነታትካ ኣፍቂዱልካዶ ኢዩ፧ ከምዚ ዝገብሩ ዘለዉ ሓያሎ ኣስፋሕቲ ብዙሕ በረኸት ረኺቦም ኣለዉ። (2 ቈረ. 9:6) ዝከኣለካ ዅሉ ትገብር እንተሊኻ: የሆዋ እቲ ብምሉእ ልብኻ እተቕርበሉ ኣገልግሎት ከም ዘሐጕሶ ኣይትረስዕ። (ሉቃ. 21:2-4) ኵነታትካ ብዘየገድስ: ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ኣገልግሎት ‘ኣዚኻ ትሑዝ’ ንምዃን ሸቶ ግበር። ዝገበርካዮ ጻዕሪ ምስ ጸብጻብ ናይ ህዝቢ የሆዋ ምእንቲ ኽድመር: ኣብ መወዳእታ እታ ወርሒ ናይ ግራት ኣገልግሎት ጸብጻብ ምሃብ ኣይትረስዕ።
3 ኣብ በዓል ዝኽሪ ንእተኻፈሉ ሓደስቲ ሰባት ብጽሕዎም:- ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ በዓል ዝኽሪ ብዙሓት ተኣከብቲ ነይሮምና። ኣብዚ ዓመት እዚ ኽንደይ ተኣከብቲ ኸም ዝህልዉ ብሕጂ ዝርአ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ብዙሕ “እኽሊ” ንምእካብ ተኽእሎ ኸም ዘሎ ካብዚ ጸብጻብ ተራእዩ ኢዩ። (ማቴ. 9:37, 38) ስለዚ: ነቶም ኣብ በዓል ዝኽሪ እተኻፈሉ ተገደስቲ ብመንፈሳዊ ንምሕጋዝ ብቕልጡፍ ብጽሓዮም። ሎሚ ጽባሕ ኽትብል ምስ እትድንጒ ግን ‘እቲ ኽፉእ ነቲ ኣብ ኣልባቦም እተዘርአ ቃል መንግስቲ ንኽምንጥሎ’ ግዜ ኽትህቦ ኢኻ። (ማቴ. 13:19) ቀልጢፍካ እንተ በጺሕካዮም: ኣብ ኣገልግሎትካ ብርግጽ ‘ኣዚኻ ትሑዝ’ ምህላውካ ዘርኢ ኢዩ።
4 ነቶም ዝዛሕተሉ ብቐጻሊ ሓግዝዎም:- ካብ ወርሒ ለካቲት ኣትሒዙ ንዝዛሕተሉ ሰባት ንምሕጋዝ ፍሉይ ጻዕሪ ኽግበር ተጀሚሩ ኣሎ። ናይ ጕስነት ምብጻሕ ዘይተገብረሎም ዝዛሕተሉ ሰባት እንተልዮም: እቶም ሽማግለታት ወርሒ ሚያዝያ ኸይተወድአት ከላ ንኽበጽሕዎም ምድላዋት ክገብሩ ኣለዎም። ሽማግለታት ቀንዲ ጸገም ናይቲ ውልቀ-ሰብ ንኽፈልጡን እንደገና ንጡፍ ኰይኑ ንየሆዋ ምእንቲ ኸገልግሎ ብዝሓሸ መገዲ ንኽሕግዝዎን ኽጽዕሩ ኢዮም። እዚ ፍቕራዊ ሓገዝ እዚ: ሽማግለታት ጓሶት “መጓሰ ኣምላኽ” ከም ምዃኖም መጠን ንሓላፍነታቶም ኣርዚኖም ከም ዝርእይዎ ይሕብር። (1 ጴጥ. 5:2፣ ግብ. 20:28) ናይ 15 መስከረም 1993 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 22-3: ሽማግለታት ካብቲ ልሙድ ዝዀነ ሓሙሽተ ጸገማት ብሓዲኡ ንእተተንከፈ ዝዛሕተለ ሰብ ክበጽሑ ኸለዉ ኽጥቀምሉ ዝኽእሉ ጽቡቕ ሓሳባት ኣለዋ። ገሊኣቶም ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ተነቓቒሖም ኣብ ኣገልግሎት እንደገና ንጡፋት ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም።
5 ካልኦት ዘይተጠምቁ ኣስፋሕቲ ንኽዀኑ ሓግዝዎም:- ደቅኻ ኣስፋሕቲ ናይቲ ብስራት ንኽዀኑ ብቕዓት ኣለዎምዶ ኢዩ፧ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ እትገብረሎም ካልኦት ሰባትከ፧ እዞም ሰባት እዚኣቶም ብቕዓት ከም ዘለዎም ሽማግለታት እንተድኣ ኣረጋጊጾም: ኣገልግሎት ንምጅማር ሚያዝያ ዝሓሸት ወርሒ ኣይምዀነትዶ፧ ሓደ ውልቀ-ሰብ ነታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹርን ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍን ዘጽንዐን ዕቤት ዝገብር ዘሎን እንተድኣ ዀይኑ: ብኻልእ መጽሓፍ—እታ ሓድነት ኣምልኾ እትበሃል መጽሓፍ እንተ ዀነት ይምረጽ—ጽንዓት ክቕጽል ይኽእል ኢዩ። ተማሃራይካ ብዛዕባ ሓቂ ዓሚቝ ፍልጠት ንኽህልዎ: ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ዀይኑ ንምግልጋል ብቕዓት ንኸጥሪ: ከምኡውን ህይወቱ ዝወፈየን እተጠምቀን ናይ የሆዋ ምስክር ንምዃን ምእንቲ ኽትሕግዞ ሸቶ ግበር።—ኤፌ. 3:17-19፣ 1 ጢሞ. 1:12፣ 1 ጴጥ. 3:21
6 ንተማሃራይካ እተርእዮ ቐጻልን ልባውን ተገዳስነት ኣብ መወዳእታኡ ሓቂ ናቱ ንኽገብራ ኽሕግዞ ይኽእል ኢዩ። ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብሩ ምስ ዝደልዩ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰብ ሓዳር ተራኸበ። እቶም ሰብ ሓዳር ግን ነቲ ጽንዓት ንሰለስተ ሰሙን ብተኸታታሊ ኣሰጋገርዎ። ኣብ መወዳእታ ግን ጽንዓት ጀመረሎም። ድሕርዚ እቶም ሰብ ሓዳር ዳርጋ ኣብ ከክልተ ሰሙን ጽንዓት ንኽግበረሎም ዝገበርዎ ቘጸራ ይስርዙ ነበሩ። ኣብ መወዳእታ ግን እታ ሰበይቲ ናብ ጥምቀት በጽሐት። እቲ ሓው ነቲ ሽዑ እተሰምዖ ኸምዚ ብምባል ይዝክር:- “ምስ ተጠመቐት ኣዒንታ ብናይ ሓጐስ ንብዓት መልአ: ኣነን በዓልቲ ቤተይን እውን ብሓጐስ ነባዕና።” እወ: ነቲ ብስራት ኣብ ምንጋር ‘ኣዚኻ ትሑዝ’ ምዃን ዓቢ ሓጐስ የምጽእ ኢዩ!
7 ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስን ኣብዛ ዓለምና ዝፍጸም ዘሎ ነገራትን ኣብቲ ናይ መወዳእታ ግዜ ንነብር ከም ዘሎና ኢዩ ዝሕብር። ኵሎም ህዝቢ ኣምላኽ ነቲ ብስራት ንኻልኦት ኣብ ምንጋር ‘ኣዝዮም ትሑዛት’ ክዀኑሉ ዘለዎም ግዜ ሕጂ ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ጻዕርና “ብጐይታ ኸንቱ ኸም ዘይኰነ” መረጋገጺ ሂቡና ኢዩ።—1 ቈረ. 15:58