ቀሊል ኣቀራርባ እቲ ዝበለጸ ኢዩ
1 ንኣሽቱ ኣስፋሕቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብኩ ኸለዉ መብዛሕትኡ ግዜ ኣቓልቦ ናይ ሰማዕቶም ዝረኽቡ ስለምንታይ ኢዮም፧ ሓደ ኻብቲ ምኽንያታት ቀሊል ኣገላልጻ ስለ ዝጥቀሙ ኢዮም። ገሊኣቶም ኣስፋሕቲ ኣስላጢ ብዝዀነ መገዲ ንምምስካር ክኢላ ተዛራቢ ምዃን ኣድላዪ ዀይኑ ይስምዖም ኢዩ። እንተዀነ ግን: ቀሊልን ንጹርን ኣቀራርባ እቲ ዝበለጸ ምዃኑ ካብ ተመክሮ ተራእዩ ኢዩ።
2 የሱስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብቐሊልን ንጹርን መገዲ ኢዩ ሰቢኹ: ንደቀ መዛሙርቱ እውን ከምኡ ኽገብሩ ኣሰልጠኖም። (ማቴ. 4:17፣ 10:5-7፣ ሉቃ. 10:1, 9) ኣቓልቦ ናይ ሰማዕቱ ንምስሓብን ልቦም ንምትንካፍን ዘይተሓላለኸ መእተዊታት: ሕቶታት: ከምኡውን ምስላታት ይጥቀም ነበረ። (ዮሃ. 4:7-14) ኣብነቱ ብምቕዳሕ ንሰባት ብቐሊሉ ብዝርድኦም መገዲ እንተ ቐሪብናዮም ሰናይ ኢዩ።
3 እቲ እንሰብኮ መልእኽቲ “ወንጌል መንግስቲ” ኢዩ። (ማቴ. 24:14) መንግስቲ ኣምላኽ ቀንዲ መዛረቢ ኣርእስቲ ምግባር ቀሊል ኣቀራርባ ንኽህልወካ ኽሕግዝ ይኽእል ኢዩ። ንሰማዕትኻ ብዛዕባ ዘገድሶም ጕዳይ ተዛረብ። ንደቂ ኣንስትዮ መብዛሕትኡ ግዜ ኻብ ፖለቲካ ንላዕሊ ጕዳያት ስድራቤተን ኢዩ ዘገድሰን። ኣቦ እንተ ዀይኑ ድማ ስርሑን ድሕንነት ስድርኡን የተሓሳስቦ ኢዩ። መንእሰያት ብዛዕባ መጻኢ: ዓበይቲ ሰባት ድማ ብዛዕባ ጥዕናን ድሕንነትን ይግደሱ ኢዮም። ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ርሑቕ ሃገራት ዘሎ ዘይኰነስ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ፍጻመታት ኢዩ ብዝያዳ ዘገድሶም። ብዛዕባ ዘገድሶም ነገራት ድሕሪ ምዝርራብ: እዙዛት ደቅሰብ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ በረኸታት ከም ዝረኽቡ ግለጸሎም። ሒደት: ቀሊል: ከምኡውን ብግቡእ እተመርጸ ቓላት ብጥቕሲ ተደጊፉ ምስ ዝቐርብ ንተገዳስነት ሰማዕቲ ንምልዕዓል ዝበለጸ መገዲ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
4 ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ዝርርብ ክትጅምር ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ደቅሰብ ብእተፈላለየ ፈውሲ ዘይብሉ ሕማማት ይጥቅዑ ምህላዎም ከም እትሰማምዓሉ ኣየጠራጥርን ኢዩ። እንተዀነ ግን: ኣምላኽ ንሕማምን ሞትን ከልግሶ መብጽዓ ኸም ዝኣተወ ትፈልጥዶ ኢኻ፧” መልሲ ተጸበ: ድሕሪኡ ራእይ 21:3, 4 ኣንብብ።
5 ንጹርን ቀሊልን ኣቀራርባ ገይርካ ብዛዕባ የሆዋን ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወትን ንኽማሃሩ ብምሕጋዝ ንኣልባብ እቶም ኣብ ዞባኻ ዝርከቡ ሰባት ንምትንካፍ ጽዓር።—ዮሃ. 17:3