ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 10/01 ገጽ 1
  • ሸቶና እንታይ ኢዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሸቶና እንታይ ኢዩ፧
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2001
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንተማሃሮ ናብታ ብድሕሪ እቲ ስምና ዘላ ማሕበር ምምራሕ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
  • ካልኦት ኣብ ኣኼባታት ምሕጋዞም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2001
  • ብመጽሓፍ ፍልጠት ገይርካ ብኸመይ ደቀ መዛሙርቲ ከም ዝግበር
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
  • ናብ ጥምቀት ዜብጽሕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ትመርሕ፧—ቀዳማይ ክፋል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2001
km 10/01 ገጽ 1

ሸቶና እንታይ ኢዩ፧

1 ንምንታይ ኢና ንሰባት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ እንመርሓሎም፧ ፍልጠት ንኸነካፍሎም: ናብርኦም ንኸነመሓይሽ: ወይ ብዛዕባ መጻኢ ብሩህ ተስፋ ንኽህልዎም ጥራይ ድዩ፧ ኣይፋል። ቀንዲ ሸቶና ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ክርስቶስ ምግባር ኢዩ! (ማቴ. 28:⁠19፣ ግብ. 14:⁠21) ስለዚ ኸኣ ኢዮም እቶም ጽንዓት እንመርሓሎም ሰባት ምስ ጉባኤ ኽሓብሩ ዘለዎም። መንፈሳዊ ዕቤቶም ምስቲ ንክርስትያናዊት ማሕበር ዘለዎም ሞሳ ብቐጥታ ይተ​ኣሳሰር ኢዩ።

2 ብኸመይ ሸቶና ኸም እንወቅዕ:- ካብ መጀመርታ ኣትሒዝካ ንተማሃራይካ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ንኽካፈል ወትሩ ኣተባብዓዮ። (እብ. 10:⁠24, 25) እዚ ንእምነቱ ብኸመይ ከም ዘበራትዓሉ: ፍቓድ ኣምላኽ ንኽገብር ብኸመይ ከም ዝሕግዞ: ከምኡውን ምስቶም ንየሆዋ ኽውድሱ ዝደልዩ ሰባት ጥዑይ ዕርክነት ንኽገብር ብኸመይ ከም ዘኽእሎ ግለጸሉ። (መዝ. 27:​13፣ 32:⁠8፣ 35:⁠18) ንጉባኤን ኣኼባታትን ዘሎካ ፍቕርን ሞሳን ምስ እተርእዮ: ኣብኡ ንኽካፈል ባህጊ ኽሓድሮ ኢዩ።

3 ሓደስቲ ሰባት ማሕበር የሆዋ ዓለም​ለኻዊ ሕውነት ዘለዋ ምዃና ኽርድኡ የድልዮም ኢዩ። ነተን ጂሆቫስ ዊትነስስ​—⁠ዘ ኦርጋናይዜሽን ቢሃይንድ ዘ ኔም ከምኡውን ኣዋር ሆል ኣሶስየሽን ኦቭ ብራዘርስ ዘርእስተን ቪድዮታት (እንግሊዝኛ) ኣርእዮም። የሆዋ ፍቓዱ ንምፍጻም ኣብ ምልእቲ ምድሪ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ህይወቶም ዝወፈዩ ሰባት ይጥቀም ከም ዘሎ ንኽግንዘቡ ሓግዞም። እዞም ሓደስቲ ሰባት ንኣምላኽ ከገልግሉ ጻውዒት ይቐርበሎም ከም ዘሎ እውን ኣፍልጦም።​—⁠ኢሳ. 2:⁠2, 3

4 ተማሃራይ መጽሓፍ ቅዱስካ ናይ ሓቂ ወደ መዝሙር የሱስ ክኸውን ምርኣይ ዓቢ ሓጐስ ኢዩ ዘምጽእ። እዚ ኸኣ ኢዩ ሸቶና!​—⁠3 ዮሃ. 4

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ