ሸቶና እንታይ ኢዩ፧
1 ንምንታይ ኢና ንሰባት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ እንመርሓሎም፧ ፍልጠት ንኸነካፍሎም: ናብርኦም ንኸነመሓይሽ: ወይ ብዛዕባ መጻኢ ብሩህ ተስፋ ንኽህልዎም ጥራይ ድዩ፧ ኣይፋል። ቀንዲ ሸቶና ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ክርስቶስ ምግባር ኢዩ! (ማቴ. 28:19፣ ግብ. 14:21) ስለዚ ኸኣ ኢዮም እቶም ጽንዓት እንመርሓሎም ሰባት ምስ ጉባኤ ኽሓብሩ ዘለዎም። መንፈሳዊ ዕቤቶም ምስቲ ንክርስትያናዊት ማሕበር ዘለዎም ሞሳ ብቐጥታ ይተኣሳሰር ኢዩ።
2 ብኸመይ ሸቶና ኸም እንወቅዕ:- ካብ መጀመርታ ኣትሒዝካ ንተማሃራይካ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ንኽካፈል ወትሩ ኣተባብዓዮ። (እብ. 10:24, 25) እዚ ንእምነቱ ብኸመይ ከም ዘበራትዓሉ: ፍቓድ ኣምላኽ ንኽገብር ብኸመይ ከም ዝሕግዞ: ከምኡውን ምስቶም ንየሆዋ ኽውድሱ ዝደልዩ ሰባት ጥዑይ ዕርክነት ንኽገብር ብኸመይ ከም ዘኽእሎ ግለጸሉ። (መዝ. 27:13፣ 32:8፣ 35:18) ንጉባኤን ኣኼባታትን ዘሎካ ፍቕርን ሞሳን ምስ እተርእዮ: ኣብኡ ንኽካፈል ባህጊ ኽሓድሮ ኢዩ።
3 ሓደስቲ ሰባት ማሕበር የሆዋ ዓለምለኻዊ ሕውነት ዘለዋ ምዃና ኽርድኡ የድልዮም ኢዩ። ነተን ጂሆቫስ ዊትነስስ—ዘ ኦርጋናይዜሽን ቢሃይንድ ዘ ኔም ከምኡውን ኣዋር ሆል ኣሶስየሽን ኦቭ ብራዘርስ ዘርእስተን ቪድዮታት (እንግሊዝኛ) ኣርእዮም። የሆዋ ፍቓዱ ንምፍጻም ኣብ ምልእቲ ምድሪ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ህይወቶም ዝወፈዩ ሰባት ይጥቀም ከም ዘሎ ንኽግንዘቡ ሓግዞም። እዞም ሓደስቲ ሰባት ንኣምላኽ ከገልግሉ ጻውዒት ይቐርበሎም ከም ዘሎ እውን ኣፍልጦም።—ኢሳ. 2:2, 3
4 ተማሃራይ መጽሓፍ ቅዱስካ ናይ ሓቂ ወደ መዝሙር የሱስ ክኸውን ምርኣይ ዓቢ ሓጐስ ኢዩ ዘምጽእ። እዚ ኸኣ ኢዩ ሸቶና!—3 ዮሃ. 4