መጽሔታት ክንዕድል ከሎና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ሚያዝያ 2002
“ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ባህ ዘብል መልእኽቲ ኽነግረካ ኢየ መጺአ። [ማቴዎስ 22:37 ኣንብብ።] እዚ እንታይ ማለት ኢዩ፧ [መልሲ ተጸበ።] ኣብዛ መጽሔት እዚኣ ‘ንኣምላኽ ብልብኻን ኣእምሮኻን ድለዮ’ እትብል ዓንቀጽ ኣላ። ናይ ሓቂ እምነት ክበሃል ከሎ ብልብና ጥራይ ክንኣምን ድዩ ዘድልየና: ወይስ ኣእምሮና እውን ኣብኡ እቱው ኢዩ፧ ነዛ ሕቶ እዚኣ ኣብዛ ዓንቀጽ ንጹር መልሲ ኽትረክብ ኢኻ።”
ንቕሑ!® ጥሪ-መጋቢት 2002
“ከም እትፈልጦ: ብዙሓት መንእሰያትና ብዛዕባ ህይወቶም ይጭነቑ ኢዮም። ገሊኣቶም ከኣ ናይ መንፈስ ጭንቀት የሕድሩ። ሓገዝ ክግበረሎም ዝከኣልዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ጠንቂ ናይዝን ነዞም መንእሰያት እዚኣቶም ብኸመይ ክንሕግዞም ከም እንኽእልን ትሕብር ኢያ።”
ግምቢ ዘብዐኛ 15 ሚያዝያ 2002
“ሰባት ኣብ ዝዀነ ይኹን ዓዲ ይንበሩ ብዘየገድስ ብዛዕባ ድሕንነቶም ይግደሱ ኢዮም። ንኣብነት ጽቡቕ ስራሕ ክህልዎም ይደልዩ ኢዮም። እንተዀነ ግን: ነባሪ ድሕንነት ዝርከበሉ ምንጪ ኸም ዘሎን ንሓዋሩውን ድሕንነት ክትረክብ ከም እትኽእልን ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧ [መዝሙር 16:8, 9 ኣንብብ።] እዛ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እዚኣ ናይ ሓቂ ድሕንነት ኣበይ ከም ዝርከብ ትሕብር ኢያ።”