መጽሔታት ክንዕድል ከሎና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 መጋ.
“ብዛዕባ እዛ ቐጺለ ዘንብበልካ ኣገዳሲት ጥቕሲ እንታይ ርእይቶ ኣሎካ፧ [ማቴዎስ 5:10 ኣንብብ።] ሓደ ሰብ ስደትን መስጐጕትን እናወረዶ ብኸመይ እዩ ሕጉስ ክኸውን ዝኽእል፧ [መልሲ ተጸበ።] ኣብዛ መጽሔት እዚኣ ዘለዋ ናይ መጀመርታ ኽልተ ዓንቀጻት: ገሊኣቶም ሰባት ብዙሕ ስቓይ እናሕለፉ ኽነሶም ብኸመይ ሓጐሶም ከም ዝዓቀቡ የርኢ። ነዚ ብኸመይ ከም ዝኸኣልዎ ኸተንብብ ትደሊዶ፧”
Mar. 8
“ኣብ ህይወት ጸገማት እኳ እናኣጋጠመና ኸነማስወሉ እንኽእል ብዙሕ ነገር ዘሎ ዀይኑዶ ኣይስምዓካን፧ [መልሲ ተጸበ።] ሓደ ኻብቲ መማሰውቲ ኽንኰነሉ እንኽእል ነገር ኣፈጣጥራና እዩ። [መዝሙር 139:14 ኣንብብ።] ህይወት ንኸነስተማቕራ ዘኽእለና ህዋሳት ምህላውስ ከነመስግነሉ ዝግባእዶ ኸይኰነ፧ እዛ ሕታም ንቕሑ! እዚኣ ነዚ እያ እትገልጽ።”
ግምቢ ዘብዐኛ 15 መጋ.
“ትምህርትታት የሱስ ነዚ ግዜና ዝጠቅም ኰይኑዶ ይስምዓካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ነቲ የሱስ ቀቅድሚ እታ ዝሞተላ መዓልቲ ዝሃቦ ትእዛዝ ከም እትሰማምዓሉ ዘጠራጥር ኣይኰነን። [ዮሃንስ 15:12 ኣንብብ።] ካልእ ነዚ ግዜና ዝጠቅም ትምህርትታት እውን ምሂሩ እዩ። እዛ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እዚኣ ኻብቲ ትምህርትታቱ ብኸመይ ከም እንጥቀም ትገልጽ።”
Mar. 22
“ኣብዚ ግዜና ብዙሓት ሰባት ድቃስ ከም ዘይጸግቡስ ኣስተውዒልካሉዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] ጭንቀት ወይ ሻቕሎት ነዚ ኣበርክቶ ኽገብር ይኽእል እዩ። [መክብብ 5:12 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ገለ ኻብቲ ድቃስ ዝኣብየና ምኽንያታት ትገልጽ: ነዚ ብኸመይ ከነመሓይሾ ኸም እንኽእል ድማ ጠቓሚ ምኽሪ ትህብ።”