መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 መጋ.
“ብዙሓት ሰባት ኵለን ሃይማኖታት ናብ ኣምላኽ ዚመርሓ ዀይኑ ይስምዖም። እንታይነት እታ ሓደ ሰብ ሃይማኖት ዜገድስዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ነዚ ምኽሪ እዚ እሞ ኣስተብህለሉ። [1 ዮሃንስ 4:1 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ: እቲ ትምህርትታት ካብ ኣምላኽ ዝመጸ ምዃኑ ንምፍላጥ ብኸመይ ክንምርምሮ ኸም እንኽእል ትገልጽ። ከምኡውን እተፈላለያ ሃይማኖታት ብኸመይ ከም ዝጀመራ ትገልጽ።”
Awake! Mar.
“ብዙሓት መራሕቲ ዓለም ኣዝዮም ኵሩዓት እዮም ዚመስሉ። ከምዚ ዝኣመሰለ ጠባይ ንሰላምን ንስኒትን ዓለም ኣበርክቶ ዚገብርዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዅርዓት እንታይ ከም ዚብል እሞ ርአ። [ምሳሌ 16:18 ኣንብብ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ትሑት ምዃን ዘለዎ ጥቕሚ ትገልጽ።” ነታ ኣብ ገጽ 20 እትጅምር ዓንቀጽ ኣርእዮ።
ግምቢ ዘብዐኛ 15 መጋ.
“ሰባት ብዛዕባ ምጽኣት የሱስ ክርስቶስ ብዙሕ ግዜ ይዛረቡ እዮም። ነዚ ፍጻመ እዚ ተሃንጢኻ ኽትጽበዮ ድዩ ዘሎካ ወይስ ክትፈርሆ፧ [መልሲ ተጸበ።] ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ዮሃንስ እንታይ ከም እተሰምዖ እሞ ኣስተብህል። [ራእይ 22:20 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ምጽኣት ክርስቶስ እንታይ ከም ዚፍጽም ትገልጽ።”
Awake! Apr.
“ኣብ ብዙሕ ክፋላት ዓለም ዘለዉ ሰባት: ስነ-ምግባራዊ መዐቀኒታት ዜንቈልቍል ዘሎ ዀይኑ እዩ ዚስምዖም። ነዝስ ኣስተብሂልካሉዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዚ ሎሚ እንርእዮ ዘሎና ዅነታት መፈጸምታ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። [2 ጢሞቴዎስ 3:2-4 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ስነ-ምግባራዊ ምንቍልቋል እንታይ ማለት ምዃኑን ንወድሰብ ናበይ ይመርሖ ኸም ዘሎን ትገልጽ።”