መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 መጋ.
“ብዛዕባ እዛ ፍልጥቲ ጥቕሲ እዚኣ እንታይ ርእይቶ ኸም ዘሎካ ኽፈልጥ ምደለኹ። [ዮሃንስ 3:16 ኣንብብ።] ሞት ሓደ ሰብኣይ ከመይ ኢሉ ንኻልኦት ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ ኸም ዚሕግዞም ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ: ካብ ሞት የሱስ ብኸመይ ክንጥቀም ከም እንኽእል ዚገልጽ ንጹርን ኣዕጋብን መግለጺ ትህብ።”
Awake! Mar.
“ሰባት ናብ ኣምላኽ ዝያዳ ንኪቐርቡ ደገፍ ንምሃብ ጻዕርታት ንገብር ኣለና። ኵለን ሃይማኖታት ቅኑዓትዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣገባብ ኣምልኾ ገሊአን ሃይማኖታት እንታይ ከም ዚብል እሞ ኣስተብህል። [ማርቆስ 7:7 ኣንብብ።] ሓደ ሰብ: ሓንቲ ሃይማኖት ‘ትእዛዛት ሰብ’ ዘይኰነስ: እቲ ሓቂ ኸም እትምህር ብኸመይ ኪፈልጥ ይኽእል፧ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ክትርከብ ትኽእልዶ፧ እዛ መጽሔት እዚኣ: ነዚ ሕቶታት እዚ ትምልስ።”
ግምቢ ዘብዐኛ 1 መጋ.
“ኣሕጽር ኣቢልና መልእኽቲ ተስፋ ኽንነግረካ ንፈቱ። መዓልታዊ ብዛዕባ ስቓይን ሕማምን ሞትን ወረ ንሰምዕ ኢና። ካብዚ ዅሉ ንሓዋሩ ዕረፍቲ ንረክብ ኰይኑዶ ይስመዓካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ እዚኣ ብሚልዮናት ንዚቝጸሩ ሰባት ተስፋ ሂባቶም እያ። [ዮሃንስ 3:16 ኣንብብ።] ቀንዲ ኣርእስቲ እዛ መጽሔት እዚኣ ‘ሞት የሱስ ኬድሕነካ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧’ ዚብል እዩ።”
Awake! Mar.
“ማሪት ጕድኣት ዘይብሉዶ ይመስለካ ወይስ ሓደገኛ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ዚስዕብ ኣገዳሲ ሓሳባት ይህብ። [ኢሳይያስ 65:11 ትርጕም 1990 ኣንብብ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ: ማሪት ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ይቃዶ እንተ ዀይኑ ትገልጽ።” ነታ ኣብ ገጽ 10 እትጅምር ዓንቀጽ ኣርእዮ።