መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ጥሪ
“ሰባት ብዙሕ ሰናይ ነገራት ኪገብሩ እናኸኣሉ ኽነሶም: መብዛሕትኡ ግዜ ዜስካሕክሕ እከይ ይፍጽሙ። እዝስ ስለምንታይ ምዃኑ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ መልሲ ትገልጽ። ኣብ መወዳእታ ሰናይ ኣብ ልዕሊ እከይ ብኸመይ ከም ዚዕወት እውን ትገልጽ።” ሮሜ 16:20 ኣንብብ።
Awake! Jan.
“ዓለም ድሕሪ 20 ወይ 30 ዓመት ከመይ ክትመስል ከም እትኽእል ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ። ብድሕሪኡ መዝሙር 119:105 ኣንብብ።] መጽሓፍ ቅዱስ ንመገድና ስለ ዜብርሃልና መጻኢ እንታይ ዓቚሩልና ኸም ዘሎ ኸነስተውዕል ንኽእል ኢና። እዛ መጽሔት እዚኣ ብዛዕባ እቲ ኣበየናይ ግዜ ንነብር ምህላውናን ብሩህ መጻኢ እንጽበየሉ ምኽንያትን ዚገልጽ ትንቢታት ትምርምር።”
ግምቢ ዘብዐኛ 15 ጥሪ
“ኣብዚ ቐረባ ዓመታት: ሰባት ኣብ መላእኽቲ ዘለዎም ተገዳስነት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። መላእኽቲ መን ምዃኖምን ንህይወትና ብኸመይ ከም ዚጸልውዎን ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ። ብድሕሪኡ መዝሙር 34:7 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ መላእኽቲ ኣብ ዝሓለፈ ጊዜ ዝዓየይዎ: ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ሕጅን ኣብ መጻእን ዚዓይዎ ዕዮታት እንታይ ከም ዚብል ትገልጽ።”
Awake! Feb.
“መብዛሕትና ኣረጋውያን ቤተሰብ ወይ ፈተውቲ ዘለዉና: ኣብ እዋን እርጋን ንዜጋጥሞም ጸገማት ኪዋጽእሉ ብኸመይ ክንሕግዞም ከም እንኽእል ንሓስብ ኢና። ኣይኰነን ድዩ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ነቲ ዕድመ እናደፋእካ ኣብ እትኸደሉ እዋን ዜጋጥም ጸገማት ንኽትጻወሮ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ትሕብር። እዚ ትንቢት እዚ ብኸመይ ፍጻሜኡ ኸም ዚረክብ እውን ትገልጽ።” እዮብ 33:25 ኣንብብ።