መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ሰነ
“ገሊኣቶም ሰባት እቲ ዝግበር ወፈያታት ኣብ ዘይመዓላኡ ኸም ዝወዓለ ስለ ዝሰምዑ: ንትካላት ግብረ-ሰናይ ምሃብ ጥበባዊ እንተ ዀይኑ ኸም ዝጠራጠሩ ገይርዎም እዩ። እንተዀነ ግን: ብዙሓት እተሸገሩ ሰባት ኣለዉ። እንታይ ክግበር ዝከኣል ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ እብራውያን 13:16 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ እቲ ንኣምላኽ ዘሐጕሶ ዓይነት ልግሲ እያ እትገልጽ።”
June 8
“ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ሰባት ከምቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝነበሩ ንስነ-ምግባራዊ ስርዓታትን ጽቡቕ ልምድታትን ኣኽቢሮም ዝርእዩ ኣይኰኑን። ነዝስ ኣስተብሂልካሉዶ ኣለኻ፧ [መልሲ ተጸበ።] እቲ ዘገርም ግን: መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ኣቐዲሙ ተነብይዎ ነይሩ። [2 ጢሞቴዎስ 3:1-5 ኣንብብ።] እዛ ሕታም ንቕሑ! እዚኣ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ስለምንታይ ይቕየር ከም ዘሎን ኣብ መጻኢ እንታይ ክኸውን ምዃኑን ትሕብር።”
ግምቢ ዘብዐኛ 15 ሰነ
“ገሊኣቶም ሰባት: የሱስ ኣብ ታሪኽ ወድሰብ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ ምንባሩ እዮም ዝኣምኑ። ገሊኣቶም ግን ብሓቂ እንተ ነይሩ እውን ይጠራጠሩ። ብዛዕባኡ ዘሎና እምነት ዘገድስ ኰይኑዶ ይስምዓካ፧ [መልሲ ምስ ሃበካ: ግብሪ ሃዋርያት 4:12 ኣንብብ።] የሱስ ብሓቂ ኣብ ምድሪ ምንባሩ እንታይ መርትዖ ኣሎ፧ እዛ መጽሔት እዚኣ ነዛ ሕቶ እዚኣ እያ እትምርምር።
June 22
“ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ኣከባቢ የተሓሳስቦም እዩ። እቲ ናይ ዓለም ትሮፒካዊ ዝናም ዝበዝሖ ዱር ክዕቀብ ዝከኣል ኰይኑዶ ይምስዓካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ነቲ ዱር ንምዕቃብ ሕጂ ዝግበር ዘሎ ጻዕርታት ትገልጽ። እቲ ኣምላኽ ዝኣተዎ ዘደንቕ መብጽዓ ብኸመይ ከም ዝፍጸም ድማ ትሕብር።” ኢሳይያስ 11:9 ኣንብብ።