ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 11/03 ገጽ 2
  • ሕቶ ሳጹን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶ ሳጹን
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሕቶ ሳጹን
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
  • ኣገልገልቲ እቲ ብስራት
    ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
  • ንናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ዚኸውን ናይ ስድራቤት መደብ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
  • ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ተዓዘብቲ ብሕታዊ ተገዳስነት ዘርእዩሉ መገድታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
km 11/03 ገጽ 2

ሕቶ ሳጹን

◼ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ ክወሃበሉዶ ይግባእ፧

ሓደ ክርስትያን ወላዲ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሕ እንተልዩ እሞ: ኣብቲ መጽናዕቲ ዘይተጠምቁ ውሉዳት ይሳተፉ እንተልዮም: እቲ ወላዲ እንተ በዝሐ ሓደ ሰዓት ኣብ ሰሙን: ሓደ ተመላሊስካ ምብጻሕ ኣብ ሰሙን: ከምኡውን ሓደ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ወርሒ ጸብጻብ ክህብ ይኽእል እዩ። እቲ መጽናዕቲ ልዕሊ ሓደ ሰዓት ዝውስድ እንተ ዀይኑ: ኣብ ሰሙን ብተደጋጋሚ እንተ ተመሪሑሎም: ወይ ነቶም ውሉዳት በብውልቂ እንተ ተመሪሑሎም እውን ከይተረፈ ኻብዚ ኣቐዲሙ እተጠቐሰ ንላዕሊ ጸብጻብ ክወሃብ የብሉን።—ኣብታ ኣዋር ሚኒስትሪ እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ገጽ 104 ርአ።

ኵሎም ኣባላት እታ ስድራቤት እተጠምቁ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንተ ዀይኖም: (ሓደ ኻብቶም ውሉዳት ከኣ ድሕሪ ጥምቀት ካልአይቲ መጽሓፍ የጽንዕ እንተ ዘየልዩ) እቲ ሰዓት ኰነ እቲ መጽናዕቲ ጸብጻብ ኣይወሃበሉን እዩ። ከምዚ ዝዀነሉ ምኽንያት: እቲ ናይ ጉባኤ ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ብቐዳምነት ነቲ ብስራት ኣብ ምስባኽ ከምኡውን ነቶም ህይወቶም ዘይወፈዩን ዘይተጠምቁን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ኣብ ምምሃር እተፈጸመ ንጥፈታት ዘንጸባርቕ ብምዃኑ እዩ። (ማቴ. 24:14፣ 28:19, 20) ይኹን እምበር: ከምዚ ዝኣመሰለ መጽናዕቲ ዘለዎ ኣገዳስነት ኣትሒትካ ዝርአ ኣይኰነን።

ክርስትያን ወለዲ ንደቆም መጽናዕቲ ኽመርሑሎም ሓላፍነት ኣለዎም። እቶም ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ንምጅማር ወይ ንምምሕያሽ ሓገዝ ዘድልዮም ካብ ሽማግለታት ሓገዝ ክሓቱ ይኽእሉ እዮም። ካልእ ኣስፋሒ ንሓደ ኣባላት እታ ጉባኤ ዝዀኑ ክርስትያን ወለዲ ዘለዉዎ ዘይተጠምቀ ውሉድ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽመርሓሉ ዝሓሸ እንተ ዀይኑ: ነቲ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ወይ ነቲ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ኸተማኽር ኣሎካ። ከምዚ ዝኣመሰለ መጽናዕቲ ኽግበር እንተ ኣፍቂዶምልካ: እቲ ዝመርሕ ኣስፋሒ ኸምቲ ንዝዀነ ይኹን ካልኦት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝምርሓሎም ገይሩ ጸብጻብ ክህበሉ ኣለዎ።

ንውሉዳት ብመገድታት የሆዋ ንምስልጣን ካብቲ ኣብ ናይ ግራት ኣገልግሎት ጸብጻብ ዝርአ ቝጽርታት ዝዛይድ ግዜን ጻዕርን እዩ ዘድልዮ። (ዘዳ. 6:6-9፣ ምሳ. 22:6) ክርስትያን ወለዲ ንደቆም “ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን” ንኸዕብይዎም እተዋህቦም ከቢድ ሓላፍነት ብምስካሞም ክነኣዱ ይግባእ።—ኤፌ. 6:4

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ