ብእተኻእለ መጠን ንብዙሓት ሰባት ምምስካር
1. ቀዳሞት ክርስትያናት እቲ ብስራት ብእተኻእሎም መጠን ንብዙሓት ሰባት ንምንጋር እንታይ ይገብሩ ነበሩ፧
1 ቀዳሞት ሰዓብቲ የሱስ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንምዝርጋሕ ኣበርቲዖም ይጽዕሩ ነበሩ። እቲ ብስራት ብእተኻእሎም መጠን ንብዙሓት ሰባት ኪነግሩ ድማ ኣስላጢ ስጕምትታት ይወስዱ ነበሩ። እቶም ክርስትያን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸሓፍቲ ነዚ መንፈስ ዝነፈሶ ጽሑፋት እዚ: በቲ ኣህጉራዊ ቛንቋ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ዝነበረ ተራ ቛንቋ ግሪኽ ጸሓፍዎ። ብድሕርዚ: ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ድሕሪ ክርስቶስ ዝነበሩ ቐናኣት ሰበኽቲ ቐዳሞት ተጠቀምቲ እቲ ብመልክዕ መጽሓፍ እተዳለወ ናይ ጥንቲ ኢደ-ጽሑፍ ኰኑ። እዚ ድማ ጥቕስታት ንምርካብ ካብቲ ብጥቕላል እተዳለወ ጽሑፍ ይቐልል።
2, 3. (ሀ) ኢሳይያስ 60:16 ኣብዚ ግዜና ፍጻሜኣ ትረክብ ዘላ ብኸመይ እያ፧ (ለ) ኣገልገልቲ ኣምላኽ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንምድንፋዕ ንቴክኖሎጂ ብኸመይ ይጥቀምሉ ኣለዉ፧
2 ኣበርክቶ ቴክኖሎጂ ኣብ ዕዮ ስብከት:- የሆዋ ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ: “ጸባ ኣህዛብ ክትጠብዊ . . . ኢኺ” ኢሉ ተነበየ። (ኢሳ. 60:16) ከም መፈጸምታ እዚ ትንቢት እዚ: ኣብዚ ግዜና ኣገልገልቲ የሆዋ ዕዮ ስብከት ንምድንፋዕ ናይ ኣህዛብ ጥሪትን ብልሓትን ይጥቀሙ ኣለዉ። ንኣብነት: ብ1914 ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ድምጺ ብዘለዎ ተንቀሳቓሲ ስእሊ እተሰርሐት “ፎቶ ድራማ ኦቭ ክርኤሽን” ዘርእስታ ፊልም ኬርእዩ ጀመሩ። ናይ ንግዲ ትካላት ነዚ ቴክኖሎጂ እዚ ኺጥቀማሉ ዝጀመራ ነዊሕ ዓመታት ጸኒሐን እየን። እዛ ሸሞንተ ሰዓታት እትወስድ ሕብራዊ ፊልምን ድምጽን ዘለዋ ስላይድ ከምኡውን ተንቀሳቓሲ ፊልም እዚኣ ብሚልዮናት ንዚቝጸሩ ሰባት ሓያል ምስክርነት ሂባ እያ።
3 ሎሚ ህዝቢ ኣምላኽ መጽሓፍ ቅዱስን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋትን ብኣማእታት ቋንቋታት ንምሕታም ቅልጡፍ ናይ ሕትመትን ኮምፕዩተርን መሳርሒታት ይጥቀሙ ኣለዉ። ኣዝዩ ቕልጡፍ መጓዓዝያታት ተጠቒምካ ኣብ 235 ሃገራት ንዚርከቡ ሰባት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ክሳዕ ወሰን ምድሪ ይበጽሖም ኣሎ። የሆዋ ብመንፈሱ ገይሩ ንኣገልገልቱ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኣብ ታሪኽ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ኣገባብ ንብዙሓት ሰባት ንምብጻሕ ንቴክኖሎጂ ብኣስላጢ መገዲ ኺጥቀምሉ ደሪኽዎም እዩ።
4. ገሊኦም እቲ ብስራት ንብዙሓት ሰባት ንምብጻሕ ኣብ ናብራኦም እንታይ ምትዕርራያት እዮም ገይሮም፧
4 ኵነታትካ ምትዕርራይ:- ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ የሆዋ እቲ ብስራት ንብዙሓት ሰባት ንምብጻሕ ኵነታቶም ኣመዓራርዮም እዮም። ብዙሓት ኣሕዋት ኣብቲ ዕዮ ስብከት ምሉእ ብምሉእ ንምክፋል ናብራኦም ቀሊል ገይሮምዎ እዮም። ገሊኦም ኣብቲ ዝያዳ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዝድለየሉ ቦታታት ከይዶም የገልግሉ ኣለዉ። ካልኦት ድማ ናይ ወጻኢ ቛንቋ ብምምሃር ኣገልግሎቶም ኣስፊሖም እዮም።
5, 6. ኣብ ዞባና ብእተኻእለ መጠን ንብዙሓት ሰባት ንምምስካር: እንታይ ኪግበር ይከኣል፧
5 እቲ ብስራት ሰባት ኣብ ገዝኦም ኣብ ዚርከብሉ ግዜን ኪርከብሉ ኣብ ዚኽእሉ ቦታን ብምስባኽ እውን ብዙሓት ሰባት ክንረክብ ንኽእል ኢና። ኣብ ዞባኻ ዘለዉ ሰባት ቀትሪ ኣብ ገዝኦም ዘይርከቡ እንተደኣ ዀይኖም: መደባትካ ብምትዕርራይ ናይ ምሸት ከተገልግል ትኽእልዶ፧ ምስክርነት ክትህበሉ እትኽእል ህዝባዊ ቦታታት ኣሎዶ፧ ናይ ተሌፎን ምስክርነት ከምኡውን ኣብ ናይ ንግዲ ቦታታት መስኪርካዶ ትፈልጥ፧ ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ክትህበሉ እትኽእል ኣጋጣሚታት ተናዲዶ ኢኻ፧
6 ኣብቲ ብዛዕባ ስም የሆዋን መንግስቱን ዚወሃብ ዘሎ ዓብዪ ምስክርነት ምክፋልሲ ኣየ ኸመይ ዝበለ መሰል ኰን እዩ! እቲ ኻብ ቃል ኣምላኽ ዝረኸብናዮ ህይወት ዚህብ ሓቂ ብእተኻእለና መጠን ንብዙሓት ሰባት ከነካፍሎም ንጽዓር።—ማቴ. 28:19, 20