‘እዚ ዅሉ ምእንቲ ወንጌል ኢልካ ግበር’
1. ሰባኺ መንግስቲ ኣምላኽ ምእንቲ ኻልኦት እንታይ ኪገብር እዩ ፍቓደኛ ዚኸውን፧ ስለምንታይከ፧
1 ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ብስራት ንኻልኦት ንኺሰብኽ ግዴታ ኸም ዘለዎ ተሰሚዕዎ እዩ። (1 ቈረ. 9:16, 19, 23) ብተመሳሳሊ፡ ንዘለኣለማዊ ድሕንነት ሰባት ዘሎና ሓልዮት፡ ነቲ ብስራት ንኸነካፍሎም ፍሉይ ጻዕሪ ንኽንገብር ይድርኸና እዩ።
2. ክንሰብኽ ከለና፡ እንታይ ምትዕርራይ ንኽንገብር ኢና ፍቓደኛታት እንኸውን፧ ስለምንታይከ፧
2 ሰባት ኣብ ዚርከቡሉ ቦታን ግዜን ስበኽ፦ ንፉዕ ገፋፍ ዓሳ ንመቓጥኑ ወይ ንመርበቡ ኣብ ዚጥዕሞ ቦታን ግዜ ዘይኰነስ፡ ዓሳ ኣብ ዚርከበሉ ቦታን ግዜን እዩ ናብ ማይ ዚድርብዮ። ንሕና እውን “ገፈፍቲ ሰብ” ስለ ዝዀንና፡ ሰባት ኣብ ክልና ንምርካብን በቲ “ዅሉ ዓይነት ዓሳ” ንምእካብ እተዋህበና ፍሉይ ዕዮ ንምሕጓስን፡ መደባትና ኸነተዓራሪ የድልየና ይኸውን። (ማቴ. 4:19፣ 13:47) ንሰባት ኣብ ቤቶም ንምርካብ ኣንጊህና ኽንከዶም ወይ ኣንጊህና ኣብ ምስክርነት መገዲ ኽንጽመድ ንኽእልዶ፧ ጳውሎስ፡ ‘ነቲ ብስራት ብእተማልአ መገዲ ንኺምስክር’ ሸቶ ነበሮ፣ ከምኡ ንምግባር ዜኽእሎ ኣጋጣሚታት ድማ ይጥቀም ነበረ።—ግብ. 17:17፣ 20:20, 24 NW።
3, 4. ኣብ ኣገልግሎት ክንጽመድ ከለና፡ ብኸመይ ኢና ምስቲ ዅነታት ክንወሃሃድ እንኽእል፧ እዚኸ እንታይ ፍረ የፍሪ፧
3 ከከም ኣድላይነቱ ንኣቀራርባኻ ቐያይር፦ ገፈፍቲ ዓሳ ንሓደ እተፈልየ ዓይነት ዓሳ ንምሓዝ፡ ሜላታቶም ብተደጋጋሚ ይቐያይሩ እዮም። ኣብ ክልና ንዘለዉ ሰባት፡ ከመይ ጌርና ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብዚምስጥ መገዲ ከነቕርበሎም ንኽእል፧ ንመብዛሕትኦም ሰባት ዜተሓሳስቦም ጕዳይ ብሜላ ድሕሪ ምብጋስ፡ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ዘለዎም ሓሳብ ተጠንቂቕና ኽንሰምዖም ኣሎና። (ያእ. 1:19) ኣረኣእያኦም ከም ዚገልጹ ዚገብር ሕቶ ኽንሓቶም ንኽእል ኢና። (ምሳ. 20:5) በዚ ኸምዚ፡ ነቲ ብስራት ንህይወቶም ብዚትንክፍ መገዲ ኸነቕርቦ ንኽእል ኢና። ጳውሎስ፡ “ንዅላቶም ኵሉ” ዀነ። (1 ቈረ. 9:22) ኣልባብ ሰባት ንምትንካፍ፡ ተዋሃሃድቲ ኽንከውን ኣሎና።
4 ንሰባት ‘ሰናይ ምብሳርሲ፡’ ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ዜሐጕስ! (ኢሳ. 52:7) ብእተኻእለ መጠን ንብዙሓት ሰባት ንምብጻሕ፡ ‘እዚ ዅሉ ምእንቲ ወንጌል ኢልና ንግበሮ።’—1 ቈረ. 9:23።