መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ጥቅ.
“‘ብኻ ኻልእ ምርጫ ገይረ!’ ኢልካዶ ትፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ ጥቕሲ እዚኣ ብዛዕባ እቲ ተመሊሱ ዜጣዕስና ምርጫታት እንገብረሉ ምኽንያት እንታይ ከም እትብል ኣስተብህል። [ኤርምያስ 10:23 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ: እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ግብራዊ ምኽሪ ብኸመይ ጽቡቕ ምርጫታት ክንገብር ከም ዚሕግዘና ትገልጽ።”
Awake! Oct.
“ኵልና እነፍቅሮም ሰባት ሞይቶምና እዮም። ኣብ ሰማይ ኰይኖም ዚዕዘቡና ዘለዉዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] የሱስ ኣልኣዛር ምስ ሞት እንታይ ከም ዝበለ እሞ ኣስተብህል። [ዮሃንስ 11:11 ኣንብብ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ምዉታት ኣብ ሰማይ ኰይኖም ይዕዘቡና እንተ ኣልዮም ወይ ደቂሶም ትንሳኤ ይጽበዩ እንተ ኣልዮም ትገልጽ።” ነታ ኣብ ገጽ 28 እትጅምር ዓንቀጽ ኣርእዮ።
ግምቢ ዘብዐኛ 15 ጥቅ.
“ብዙሓት ሰባት መጻኢ ዜተኣማምን ኰይኑ ስለ ዘይርኣዮም ንሎሚ ጥራይ ምንባር ዝሓሸ ዀይኑ ይስምዖም። ብዛዕባ እዚ እንታይ ምበልካ፧ [መልሲ ተጸበ።] የሱስ ነዚ ኣገዳሲ ሓሳብ ሂቡ ኣሎ። [ማቴዎስ 6:34 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ብዛዕባ መጻኢ ኣመና ኸይተጨነቕና ብኸመይ ንመጻኢ ኽንምድብ ከም እንኽእል ትገልጽ።”
Awake! Nov.
“ቅድሚ ሕጂ ሰባት መምርሒ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ይደልዩ ነይሮም። ሎሚ ግን ብዙሓት ሰባት ምጥርጣራት ከም ዘለዎም እዮም ዚዛረቡ። ንስኻኸ እንታይ ትብል፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ: 2 ጢሞቴዎስ 3:16 ኣንብብ።] እዛ ፍልይቲ ሕታም ንቕሑ! እዚኣ: መጽሓፍ ቅዱስ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ምዃኑ ዜእምን መርትዖ ትህብ።”