መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 መስ.
“ሎሚ: ብዙሓት ሰባት ኣብ ሃይማኖት ዝነበሮም ተገዳስነት ኣጥፊኦም እዮም። ሓደ ሰብ ሃይማኖታዊ ምዃኑ ዝሓሸ ሰብ ኪኸውን ዚሕግዞዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ኣብ ግዜ መወዳእታ ገለ ሰባት ካብ ሃይማኖት ትጽቢት ብዛዕባ ዚገብርዎ ነገራት ኣመልኪቱ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኢሉ ኸም እተነበየ እሞ ኣስተብህል። [2 ጢሞቴዎስ 4:3, 4 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ብኸመይ ንኣምላኽ ከም ዜኽብርን ንዓና ኸም ዚጠቅምን ትገልጽ።”
Awake! Sept.
“ብዙሓት ሰባት እተፈጠርና ዀይኑ ይስምዖም። ካልኦት ድማ ዝፈለቕና ኰይኑ ይስምዖም። ብዛዕባዚ እንታይ ርእይቶ ኣሎካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ናብ ቅኑዕ መደምደምታ ምእንቲ ኽንበጽሕ ነዚ ሓሳባት እዚ እሞ ኣስተብህለሉ! [እዮብ 12:7, 8 ኣንብብ።] እዛ ፍልይቲ ሕታም ንቕሑ! እዚኣ ኻብቲ ኣብ ተፈጥሮ ዚርከብ ጥበብን ንድፍን እንታይ ክንመሃር ከም እንኽእል ትገልጽ።”
ግምቢ ዘብዐኛ 15 መስ.
ኣብቲ ኸባቢ ኣሻቓሊ ዀይኑ ዘሎ ዜና ጥቐስ። ብድሕሪኡ: “እዛ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ጥቕሲ እዚኣ ነዚ ዘለናዮ ግዜ ብዚግባእ እትገልጽ ኰይናዶ ትስምዓካ፧” ብምባል ሕተት። [2 ጢሞቴዎስ 3:1 ኣንቢብካ: መልሲ ተጸበ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ነቲ ኣብ መወዳእታ ግዜ ንነብር ምህላውና ዚገልጽ መርትዖ ትምርምር: ከምኡውን እንታይ ክንገብር ከም ዚግብኣና ትገልጽ።”
Awake! Oct.
“መብዛሕትኦም ሰባት ተለቪዥን ምርኣይ ደስ ይብሎም እዩ። ይኹን እምበር ብዛዕባ እንርእዮ ነገራት መረጽቲ ኽንከውን ዘሎናዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ። ብድሕሪኡ ምሳሌ 13:20 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ተለቪዥን ብኸመይ ከም እትጸልወናን ነቲ እንርእዮ ብኸመይ ክንቈጻጸሮ ኸም እንኽእልን ዚገልጽ ሓሳባት ትህብ።”