መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ነሓ.
“ኣብዚ ሎሚ ወዲሰብ ተኸፋፊሉሉ ዘሎ እዋን: ገለ ሰባት ናይ ዓለም ሰላም ሓንቲ ዓለምለኻዊት መንግስቲ ብምቛም ጥራይ እዩ ኺፍጸም ዚኽእል ኢሎም ይሓስቡ። እዝስ ዚከኣልዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ ዳንኤል 2:44 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ሕጂ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ትገብር ከም ዘላን ድሕሪ ቐረባ ግዜ ኸኣ ብኸመይ ሰላም ከም እተምጽእን ትገልጽ።”
Awake! Aug. 8
“ኵላትና ብዛዕባ ምዝመዛ ቘልዑ ኽንሓስብ ከለና ንጕሂ ኢና። ምናልባት ‘ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይሓሊዶ እዩ፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ መዝሙር 72:12-14 ኣንብብ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ: ኣምላኽ ብዛዕባ ቘልዑ እንታይ ከም ዚስምዖ: ንዅሎም ግፉዓት ከኣ ነባሪ ዝዀነ መፍትሒ ብኸመይ ከም ዜምጽኣሎም ትገልጽ።”
ግምቢ ዘብዐኛ 15 ነሓ.
“ሎሚ ሰባት ብዛዕባ ሓዳርን ኣተዓባብያ ቘልዑን ዚምልከት ካብ እተፈላለየ ምንጭታት ምኽሪ ንምርካብ ብዙሕ እዮም ዚጽዕሩ። እቲ ዝበለጸ ምኽሪ ኻበይ ዚርከብ ኰይኑ ይስመዓኻ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እዚኣ ንገለ ኻብቲ በቲ ፈጣሪ ደቅሰብ እተዳለወ ንስድራቤት ዚኸውን ምኽሪ ሒዛ ትርከብ።” መዝሙር 32:8 ኣንብብ።
Awake! Aug. 22
“ኣቦታት ኣብ ህይወት ደቆም ጽልዋ ኺህልዎም ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ እዩ ኢልካ ትሓስብ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ ሕታም ንቕሑ! እዚኣ ኣቦታት ኣብ ህይወት ደቆም ዘለዎም ጽልዋ እናነከየ ብምኻዱ ብዛዕባ ዜስዕቦ ዘሎ ጸገማት ትሕብር። ከመይ ዝበለ ኣወንታዊ ጽልዋ ኺህልዎም ከም ዚኽእል እውን ትገልጽ።” ምሳሌ 13:1 ኣንብብ።