መጽሔታት ክንዕድል ከሎና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 መስከረም 2002
“ኣብዚ ግዜና ጐረባብቲ ኸምቲ ቐደም ዝነበረ ምቅርራብ ከም ዘይብሎምሲ ኣስተውዒልካዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] የሱስ: ሕያዋይ ጐረቤት ብዛዕባ ምዃን ኣድላዪ ዝዀነ ስርዓት ተዛሪቡ ኢዩ። [ማቴዎስ 7:12 ኣንብብ።] እዘን ዓንቀጻት እዚኣተን ብኸመይ ሕያዎት ጐረባብቲ ኽንከውን ከም እንኽእል ይሕብራና: ንኻልኦት እውን ከምኡ ክዀኑ የተባብዓ ኢየን።”
ንቕሑ! ሓምለ-መስከረም 2002
“ዝሓለፈ ዓመት ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መገዲ ናይ ዓለም ሰላም ኣብ ሓደጋ ኣትዩ ኢዩ። ሰብኣውያን መንግስታት ኣብ ዓለም ሰላም ከምጽኣ ዝኽእላዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ምስ ሃበካ: ኢሳይያስ 2:4 ኣንብብ።] እዛ ሕታም ንቕሑ! እዚኣ ድሕሪ ሓጺር እዋን ኣብ ዓለም ሰላም ከም ዝሰፍን ብኸመይ ርግጸኛታት ክንከውን ከም እንኽእል ትሕብር ኢያ።”
ግምቢ ዘብዐኛ 15 መስከረም 2002
“ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ‘ቅዱሳን’ ፍሉይ ሓይሊ ኸም ዘለዎምን ናብኦም ምጽላይ ከም ዝጠቅምን ይኣምኑ ኢዮም። ብዛዕባዚ እንታይ ኣረኣእያ ኣሎካ፧ [መልሲ ተጸበ።] የሱስ ክርስቶስ ዝበሎ እሞ ርአ። [ዮሃንስ 14:6 ኣንብብ።] እዛ ጥቕሲ እዚኣ ንገሊኣቶም ሰባት ናብ ‘ቅዱሳን’ ክንጽሊ ዝግባእ እንተ ዀይኑ ኸም ዝሓስቡሉ ትገብሮም ኢያ። እዛ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ብዛዕባዚ ኣገዳሲ ጕዳይ ኢያ እትገልጽ።”