መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ጥቅ.
“‘ኣምላኽ ፈቃርን ኵሉ ዝኽእልን እንተ ዀይኑ: ነቶም ዝሳቐዩ ሰባት ንምንጋፍ ንምንታይ እዩ ስጕምቲ ዘይወስድ፧’ ኢልካ ሓቲትካዶ ትፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ።] ኣብ ቀረባ ግዜ ንዅሉ ሽግራት ፍታሕ ክገብረሉ እዩ። [ኢሳይያስ 65:17 ኣንብብ።] ከምዚ ኣብዛ መጽሔት እዚኣ ተገሊጹ ዘሎ: ክሳዕ ሽዑ እውን ኣምላኽ ስቓይ እናወረደና ስቕ ኢሉ ዝርኢ ኣይኰነን።”
Oct. 8
“ብዙሓት ሓረስቶት ብሕርሻ ኽናበሩ የጸግሞም ከም ዘሎ ትፈልጥዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ ቕዳሕ ንቕሑ! እዚኣ ነዚ ጸገማት እዝን መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መጻኢ ሰናይ ዘመን ከም ዝመጽእ ዝኣተዎ መብጽዓን ትገልጽ። [መዝሙር 72:16 ኣንብብ።] ካልእ ግዜ ተመሊሰ እዚ ብኸመይ ከም ዝፍጸም ክገልጸልካ ምደለኹ።”
ግምቢ ዘብዐኛ 15 ጥቅ.
“እንገብሮ ውሳነታት ኣብ ህይወትና ነባሪ ጽልዋ ኣለዎ። ሕማቕ ውሳነታት ንኸይንገብር ክሕግዘና ዝኽእል ግን እንታይ እዩ፧ [መልሲ ተጸበ። ምሳሌ 3:6 ኣንብብ።] እዛ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እዚኣ ጽቡቕ ውሳነ ንኽንገብር ክሕግዘና ዝኽእል ሓሙሽተ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መምርሒታት ኣለዋ።”
Oct. 22
“ብዛዕባ መድሃኒት ዝጻወሩ ጀርምታት ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ኽዝረብ ንሰምዕ ከም ዘሎናስ ኣስተውዒልካሉዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ጠንቂ እዚ ሽግር እዝን ንምክልኻሉ እንታይ ክንገብር ከም እንኽእልን ትሕብር። ብዛዕባቲ ዋላ ሓደ ሰብ ዘይሓመሉ እዋን ዝገልጽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ መብጽዓ እውን ትገልጽ።” ኢሳይያስ 33:24 ኣንብብ።