ኣብ ሕዳር እትዕደል ፍልይቲ ሕታም ንቕሑ!
1 ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ጥቕሚ ብቕንዕና ሕቶታት ይሓቱ እዮም። ሰባት ዝጸሓፍዎ እንተ ደኣ ዀይኑ: ከመይ ኢሉ ቓል ኣምላኽ ተባሂሉ ይጽዋዕ፧ ስጕምትታተይ ከም ዘቕንዓለይ ከመይ ገይረ እፈልጥ፧ ግዜይን ጻዕረይን መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምንባብን ምጽናዕን እንተ ኣሕሊፈ: እንታይ ጥቕሚ እረክብ፧ ኣየናይ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ክጥቀም ኣሎኒ፧ እዚ ገለ ኻብቲ ኣብታ “ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትኣምኖ ትኽእልዶ፧” ዘርእስታ ናይ ሕዳር ፍልይቲ ሕታም ንቕሑ! ዚምለስ ሕቶታት እዩ።
2 ነዛ ፍልይቲ ሕታም ንቕሑ! እዚኣ ኣብ ክልና ብሰፊሑ ኽንዕድላ ንደሊ ኢና። እንተ ኽኢልካ: ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብቲ ቐዳም ቀዳም ካብ ቤት ናብ ቤት ኣብ ዚግበር ኣገልግሎት ምስ ጉባኤኻ ሓቢርካ ውፈር። ነዛ ሕታም ንቕሑ! እዚኣ ንኣዝማድካ: ንጐረባብትኻ: ንመሳርሕትኻ: ንመምህራንካ: ንመማህርትኻ: ከምኡውን ተመላሊስካ ንእትበጽሖም ሰባት ኣርእዮም። ናብ ዕዳጋ ኽትከይድ ወይ ክትገይሽ ከለኻ: ገለ ቕዳሓት ምሳኻ ተማላእ። እታ ጉባኤ እኹል ቀረብ ምእንቲ ኺህልዋ: ሽማግለታት ተወሳኺ ቕዳሓት ኣዚዞም ኣለዉ።
3 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጀምር:- ነዛ መጽሔት እዚኣ ኽትዕድላ ኸለኻ: ዘረባኻ ቕድሚ ምውዳእካ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር ዚሕግዘካ መሰረት ከተንጽፍ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት: ከምዚ ኽትብል ትኽእል ኢኻ:- “ኣብ ዚመጽእ: ‘ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ እንታይ እዩ፧’ ንዚብል ሕቶ መልሱ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ከርእየካ ምደለኹ።” ብድሕሪኡ: እታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ሒዝካ ተመለሶ እሞ ነቲ ኣብ ገጽ 4-5 ዘሎ ኣርእዮ: ወይ ንምዕራፍ 3 ሕጡብ ጽሑፍ 1-3 ተመያየጡሉ። ካልእ ኣማራጺ ድማ: “ኣብ ዚመጽእ: ብዛዕባ ኣብዚ ግዜና ዚፍጸም ዘሎ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ክንመያየጥ ምደለኹ” ኽትብሎ ትኽእል ኢኻ። ተመሊስካ ምስ ከድካ: ነቲ ብዓል ቤት ምዕራፍ 9 እታ መጽሓፍ ኣርኢኻ ንሕጡብ ጽሑፍ 1-3 ብሓባር ኴንኩም ተመያየጡሉ። ወይ እውን ብቕልል ዝበለ: “ብዙሓት ሰባት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዜንብብዎ ምርዳኡ የጸግሞም። ኣብ ዚመጽእ: ንመጽሓፍ ቅዱስካ ኸመይ ጌርካ ብዝያዳ ኽትርድኦ ኸም እትኽእል ከርእየካ ምደለኹ” ኽትብሎ ትኽእል ኢኻ። ተመሊስካ ኽትበጽሖ ኸለኻ: ምስታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ኣላልዮ: ብኸመይ ከም እትጽናዕ ድማ ኣርእዮ።
4 መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ እዩ ‘ንምድሓን ኬለብማና’ ዚኽእላ “ቅዱሳት ጽሑፋት” ሒዙ ዘሎ። (2 ጢሞ. 3:15) ስለዚ: ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ንኺኣምንዎ ምእንቲ ኽንሕግዞም ነዛ ፍልይቲ ሕታም ንቕሑ! ኣብ ምዕዳል ኵልና ብቕንኣት ክንሳተፍ ኢና እንደሊ።