ነቶም ኣብ በዓል ዝኽሪ ዚእከቡ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧
1. ኣብ 22 መጋቢት 2008 እንታይ ሓያል ምስክርነት እዩ ኺወሃብ፧
1 ኣብ 22 መጋቢት 2008: ብሚልዮናት ንዚቝጸሩ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከቡ ሰባት ሓያል ምስክርነት ኪወሃቦም እዩ። እቶም ኣብ በዓል ዝኽሪ ዚእከቡ ሰባት ብዛዕባ እታ የሆዋ በጃ ብምድላው ንደቂ ሰብ ዘርኣዮም ዓባይ ፍቕሩ ኺሰምዑ እዮም። (ዮሃ. 3:16) ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን የሆዋ ፍቓዱ ኣብ ብዘላ ምድሪ ንምፍጻም ብኸመይ ከም ዚጥቀመላን ኪመሃሩ እዮም። (ማቴ. 6:9, 10) ነቲ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ዘሎ ሕብረትን ምዉቕ ኣቀባብላን ብዓይኖም ኪርእይዎ እዮም።—መዝ. 133:1
2. ነቶም ኣብ በዓል ዝኽሪ ዚእከቡ መጽሓፍ ቅዱስ እንምህሮም ሰባት ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧
2 ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ:- ገለ ኻብቶም ተኣከብቲ: እቶም ምሳና ዀይኖም መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑ ዝጀመሩ ሰባት እዮም። ምስ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣላልዮም። ብዛዕባ እቲ ሰሙናዊ ኣኼባታት ግለጸሎም: ነቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ድማ እናዞርካ ኣርእዮም። እቲ ተዛራባይ ኣብ መደረኡ ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት መንፈሳዊ ዕቤት ኪገብሩ ኼተባብዖም እዩ። ነቲ ዝሃቦ ሓሳባት ተጠቒምካ ነቲ ተመሃራይካ ኸተተባብዖ ትኽእል ኢኻ።
3. ነቶም ኣብ በዓል ዝኽሪ ዚእከቡ ዘይንጡፋት ኣስፋሕቲ ንምትብባዕ እንታይ ኪግበር ይከኣል፧
3 ዘይንጡፋት ኣስፋሕቲ:- ገለ ኻብቶም ተኣከብቲ ዘይንጡፋት ኣስፋሕቲ እዮም። ጽቡቕ ጌርካ ሰላም ንኽትብሎም ተበግሶ ውሰድ። ብሕታዊ ሕቶታት ካብ ምሕታት ወይ ኬሰክፎም ዚኽእል ዘረባ ኻብ ምዝራብ ተቘጠብ። ድሕሪ እቲ በዓል ዝኽሪ: እቶም ሽማግለታት ንዝዀነ ይኹን ኣብቲ በዓል ዝኽሪ እተኻፈለ ዘይንጡፍ ኣስፋሒ ኺበጽሕዎን ስለቲ ንኺእከብ ኢሉ ዝገበሮ ጻዕሪ ኺንእድዎን ኣብ ኣኼባ ጉባኤ ንኺካፈል ኪዕድምዎን እዮም።
4. ነፍሲ ወከፍና ንኣጋይሽ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧
4 ኣጋይሽ:- ገለ ኻብቶም ተኣከብቲ: ብብሕትና ዝዓደምናዮም እንፈልጦም ሰባት ወይ ኣባላት ስድራ ቤትና ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ካልኦት ድማ ኣብ እዋን እቲ ፍሉይ ወፈራ እተዓደሙ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ዘይትፈልጦም ሰባት እንተ ደኣ ርኢኻ: ንኽትላለዮምን መርሓባ ኢልካ ንኽትቅበሎምን ተበግሶ ውሰድ። ኣብ ኣኼባታትና ተኻፊሎም ዘይፈልጡ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ዕላልኩም ካልእ ግዜ ኣበይ ክትረኽቦም ከም እትኽእል ክትፈልጥ ትኽእል ትኸውን። ድሕሪ እቲ በዓል ዝኽሪ ኣብ ዘሎ ሒደት መዓልትታት: ገዛኦም ብምብጻሕ ወይ ተሌፎን ብምድዋል ተገዳስነቶም ክትኵስኵስን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጀምሮምን ጽዓር።
5. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸነጀምር እንታይ ክንብል ንኽእል፧
5 ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር ከለኻ: ነቲ ኣብ መደረ በዓል ዝኽሪ ዝቐረበ ሓበሬታ: መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር ንእትበሃል መጽሓፍ ኣብ ምልላይ ከም መሰረት ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት: እቲ ኣብ በዓል ዝኽሪ መደረ ዜቕርብ ሓው ንኢሳይያስ 65:21-23 ኬንብባ እዩ። ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር ከለኻ: ነቲ መደረ ጠቒስካ: “በቲ በጃ ኣቢልና እንረኽቦ ኻልእ በረኸት ከርእየካ” ክትብሎ ትኽእል ኢኻ። ድሕሪኡ ነቲ ኣብ ገጽ 4-5 እታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ዘሎ ሓሳባት ተመያየጠሉ። ወይ “ብዙሓት ሰባት ትንቢት ኢሳይያስ መዓስ ከም ዚፍጸም ይሓቱ እዩ” ኽትብል ትኽእል ኢኻ። ድሕሪኡ ኣብ ምዕራፍ 9 ሕጡብ ጽሑፍ 1-3 ኣርእዮ። ካልእ ኣማራጺ ድማ: ነቲ እቲ ተዛራባይ ዝበሎ ሓሳባት ጠቒስካ: ምስታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ብምልላይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚግበር ኣርእዮ።
6. ነቲ የሱስ ንሞቱ ኽንዝክሮ ዝሃበና ትእዛዝ ከነኽብር ከለና እንታይ ናይ ምግባር ኣጋጣሚታት እዩ ዘሎና፧
6 ነቶም ኣብ በዓል ዝኽሪ ዚእከቡ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ: ዘይንጡፋት ኣስፋሕቲ: ከምኡውን ኣጋይሽ ንኽንሕግዞም ዜኽእለና ኣጋጣሚታት ኣብ ምንዳይ ንቑሓት ንኹን። (ሉቃ. 22:19) የሆዋ ነቲ ኣብ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ እነርእዮ ዝዀነ ይኹን ወሰኽ ከም ዚባርኾ ርግጸኛታት ኢና።