ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 4/11 ገጽ 1
  • ሓያል ምስክርነት ኪወሃብ እዩ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሓያል ምስክርነት ኪወሃብ እዩ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብሓጐስ ተቐበሎም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
  • ነቶም ኣብ በዓል ዝኽሪ ዚእከቡ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
  • ንኣጋይሽና ብሓጐስ ንቀበሎም
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2016
  • ኣብቲ ዝኽሪ ከም ዘይጋየሹ ግበርዎም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1994
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
km 4/11 ገጽ 1

ሓያል ምስክርነት ኪወሃብ እዩ

1. ኣብ በዓል ዝኽሪ ንበጻሕቲ ኺምስጦም ዚኽእል፡ ብጀካ መደረ እንታይ እዩ፧ ግለጽ።

1 መዓስ፧ ኣብታ በዓል ዝኽሪ ዚኽበረላ ምሸት። ሰባት ኣብቲ በዓል ምሳና ኺእከቡ ንምዕዳም ብዙሕ ጻዕሪ ተገይሩ እዩ። በጻሕቲ ብዚሰምዕዎ ጥራይ ኣይኰኑን ዚመሰጡ። ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ በዓል ዝኽሪ ድሕሪ ምእካባ ብዛዕባ እቲ ኣብኡ ዝረኣየቶ ነገራት፡ ማለት ኵሎም ብዛዕባ ዜርእይዎ ምቕሉል ኣቀራርባ፡ ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ብወለንተኛታት እተሃንጸን እተጸገነን ጽሩይ ህንጻ ፈልያ ጠቒሳ እያ። ስለዚ፡ ኣብዚ ኻብ ኵሉ ዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነ ኣጋጣሚ እዚ፡ እቲ ተዛራባይ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኵላትና ምስክርነት ኣብ ምሃብ እጃምና ኸነበርክት ንኽእል ኢና።—ኤፌ. 4:16።

2. ነፍሲ ወከፍና ንበጻሕቲ ብኸመይ ክንምስክረሎም ንኽእል፧

2 ንበጻሕቲ ጽቡቕ ጌርካ ሰላም በሎም፦ ንበጻሕቲ ብምዉቕ ፍሽኽታ ሰላም ብምባል ጥራይ፡ ምስክርነት ኪወሃብ ይከኣል እዩ። (ዮሃ. 13:35) ንዅሉ ሰብ ሰላም ክትብል እኳ እንተ ዘይከኣልካ፡ ኣብ ጥቓኻ ንዘለዉ ጽቡቕ ጌርካ ኽትላለዮም ትኽእል ኢኻ። (እብ. 13:1, 2) ነቶም ዚፈልጥዎ ሰብ ዘይብሎም ኪዀኑ ዚኽእሉ በጻሕቲ ኣቕልበሎም። ምናልባት ኣብቲ እተገብረ ወፈራ፡ ወረቐት ዕድመ ተቐቢሎም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። “ሎሚ መጀመርያኻ ድዩ፧” ኢልካ ኽትሓቶም ትኽእል ኢኻ። ምስኻ ኾፍ ከም ዚብሉ ግበር፡ ሕቶታት እንተ ኣልይዎም መልሰሎም። ነቲ ኣዳራሽ ካልእ ጉባኤ ምእንቲ ኽትጥቀመሉ፡ ቀልጢፍኩም ክትወጹ እንተ ተገዲድኩም፡ “ብዛዕባ እዚ መደብ እዚ፡ እንታይ ርእይቶ ኸም ዘሎካ ኽፈልጥ ምደለኹ። ክንራኸበሉ እንኽእል መገዲ ኣሎዶ፧” ክትብሎ ትኽእል ኢኻ።

3. ነቶም ዘይንጡፋት ብኸመይ ክንቅበሎም ኣሎና፧

3 ነቶም ዘይንጡፋት ብሓጐስ ተቐበሎም፦ ኣብቲ በዓል ዝኽሪ፡ ዘይንጡፋት ኣስፋሕቲ ኸም ዚህልዉ ፍሉጥ እዩ። ገለ ኻባታቶም፡ ኣብዚ ኣብ ዓመት ሓንሳእ ዚኽበር በዓል ጥራይ እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣብ ካልእ ኣኼባታት ዘይመጹ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ጽቡቕ ጌርካ ተቐበሎም፡ ብምምጽኦም ብሓቂ ኸም እተሓጐስካ ኸኣ ግለጸሎም። (ሮሜ 15:7) እዞም ሰባት እዚኣቶም ምስታ ጉባኤ ምእንቲ ኺቀራረቡ፡ ሽማግለታት ድሕሪ እቲ ኣኼባ ነዊሕ ከይጸንሑ፡ ኣብ ቤቶም ከይዶም ኪበጽሕዎም ይኽእሉ እዮም። መብዛሕትኦም እቶም ኣብቲ በዓል ዝኽሪ ዚመጹ ሰባት፡ በቲ ኣብኡ ዚሰምዕዎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ‘ነቲ ሰናይ ግብርና’ ብምርኣይ እውን ንኣምላኽ ኼመስግንዎ ኺድረኹ ጸሎትና እዩ።—1 ጴጥ. 2:12።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ