ኣብቲ ዝኽሪ ከም ዘይጋየሹ ግበርዎም
1 ኣብዘን ዝሓለፋ ቍሩብ ዓመታት: ካብቶም ናብ ዝኽሪ ዝመጹ ዝነበሩ ሰለስተ ሰባት እቲ ሓደ ጥራሕ ኢዩ ሰባኺ ናይቲ ብስራት መንግስቲ ዝነበረ። ሎሚ ዓመትውን ከምኡ ከም ዝኸውን ኣየጠራጥርን ኢዩ። ገለ ድማ ኣዝማዶም ወይ ከኣ አብ ካልእ ከተማ ዝነብር ዝፈልጥዎ ሰብ ብዝገብሩሎም ምትብባዕ ኢዮም ዝመጹ። ገሊኦም ከኣ ኣብ ከባቢኦም ዘለዉ ኣስፋሕቲ ብዝገብሩሎም ዕድመ ኢዮም ዘመጹ። ካልኦት ኣብቲ በዓል ዝሳተፉ ድማ ዝተጠመቑ: ሕጂ ግን ካብቲ ኣገልገሎት ዛሕቲሎም ዘለዉ ኢዮም። ነቶም “እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ“ ዝብል ናይ የሱስ ትእዛዝ ኣኽብሮት ዘርእዩ ኵሎም ብቕንዕና ንቕበሎም ኢና። — 1ቈረ. 11:24፣ ሮሜ 15:7
2 እቶም ዝተመዘዙ ተቐበልቲ ኣጋይሽ ንኹሉ ምናዳ ድማ ነቶም ሓደስቲ ናብቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ክኣትዉ ኸለዉ ክቕበልዎም ንቑሓት ክኾኑ ኣለዎም። ይኹን እምበር ኹልና ኣብቲ ዝኽሪ ተቐበልቲ ኣጋይሽ ክንከውን ተራ ክህልወና ይኽእል ኢዩ። (ሮሜ 12:13) ከመይ ጌርና?
3 ኣብታ ምሽት እቲኣ: ገለ ኣስፋሕቲ: ነቶም ተገደስቲ ከመላልሱ ወይ ከጓዓዕዙ ትሑዛት ክኾኑ ኢዮም። ካልኦት ድማ ቀልጢፎም ብምምጻእ ነቶም በይኖም ዝመጹ ተዓዘብቲ ሰላም ክብልዎም ይኽእሉ ኢዮም። ሓደ ጋሻ ናብቲ ኣደራሽ ምስ ኣተወ: ምዉቕ ሰላምታ ሃቦ’ሞ: ዝርርብ ጀምር። ካብታ ጉባኤ ንዝኾነ ሰብ ዝፈልጥ እንተኾይኑ’ውን ሕተቶ። ዝፈልጥ እንተድኣኾይኑ: እቲ ዝፈልጦ ሰብ ክሳዕ ዝመጽእ የዕልሎ። (ምስ ሉቃስ 10:35 ኣነጻጽሮ) ብውልቁ ዋላ ሓደ ሰብ ዘይፈልጥ እንተኾይኑ ኣብ ግዜ ኣኼባ ምሳኻ ኮፍ ክብል ንምንታይ ዘይትዕድሞ? እቲ ወይንን ቅጫን ኣብ ግዜ ኣኼባ ብኸመይ ከም ዘገልግል ግለጸሉ። ነቶም በቲ ተዛራባይ ዝጥቀሱ ጥቕስታት ንምክትታል ናትካ ሓገዝ ይደሊ ይኸውን።
4 እቲ ብዓል ዝኽሪ ምስ ተወደአ ብምምጽኡ ከም ዝተሓጐስካ ግለጸሉ። ብዛዕባ ዕዮና ዝምልከት ንስኻ ክትምልሶም እትኽእል ሕቶታት ይህልውዎ ይኾኑ። ብሕታዊ ተገደስነትካ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ወይ ድማ ካልእ ቦታ ናብ ገለ መዘራረቢ ኣርእስቲ ክመርሕ ይኽእል ኢዩ። ነዚ ዝምስገን ተበግሶ ብዝወሰዱ ንቑሓት ኣሓዋት ጽቡቕ ጽንዓታት ተጀሚሮም ኢዮም። ካብቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ቅድሚ ምኻዱ ምስ ካልኦት ኣፋልጦ እሞ ተመሊሱ ንኽመጽእ ድማ ምዉቕ ዝኾነ ዕድመ ግበረሉ።
5 ነቶም ስርዓታውያን ኮይኖም ኣኼባታት ዘይመላለሱ ወይ ድማ ንገለ ግዜ ካብ ኣገልግሎት ዝዛሕተሉ ክቡራት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንቅበልሲ ኣየ ክንደይ ዘሐጕስ ኢዩ! ስለምንታይ ከም ዝረሓቑ ካብ እትሓቶም ብምምጽኦም ሓጎስካ ግለጸሎም። ገለ ካብቲ ኣብቲ ዝኽሪ ዝግበር ዝርርብ ነቲ ምስ የሆዋ ዘለዎም ውፉይ ርክቦም መሊሶም ክሓስቡሉ ከለዓዕሎም ኢዩ። እቲ እትውፍዮሎም ምዉቕ ኣቀባብላን እተርእይዎም ቅኑዕ ተገዳስነትን ልቦም ክትንክፎም ይኽእል ይኸውን። መሊስኩም ክትርእይዎም ከም እትብህጉ ግለጹሎም። — ሮሜ 1:11, 12
6 ኣብ ዝበዝሓ ጉባኤታት “ሓቀኛ ሃይማኖት ንድሌት ናይ ሰብኣዊ ማሕበረሰብ የማልእ” ዘርእስቱ ፍሉይ ህዝባዊ ዝርርብ ን10 ሚያዝያ ክወሃብ ኢዩ። እቶም ኣብ ብዓል ዝኽሪ ዝካፈሉ ኣብዚ ዝርርብ እዚ ከም እተዓደሙን ንኽመጹ ከም እተሓገዙን ኣረጋግጽ። እቶም ኣብዚ ፍሉይ ኣኼባ እዚ ዝመጹ ከይተጋየሹ ነቲ ኣብ መንጎ ህዝቢ የሆዋ ዘሎ ምዉቕ ሕውነታዊ ሕብረት ከስተማቕርዎ ተስፋና ኢዩ።—መዝ. 133:1