ብሓጐስ ተቐበሎም
1. ኣየናይ እዋን እዩ ምስክርነት እንህበሉ ፍሉይ ኣጋጣሚ ዚኸፍተልና፧ ስለምንታይከ፧
1 ዓመታዊ በዓል ዝኽሪ፡ ምስክርነት ንምሃብ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዝሓሸ ኣጋጣሚ እዩ ዚኸፍተልና። ሕስብ እሞ ኣብሎ! ኣብዛ ዓመት እዚኣ፡ ልዕሊ ዓሰርተ ሚልዮን ዕዱማት ኣብ በዓል ዝኽሪ ኺመጹን ብዛዕባ እተን ብበጃ እተጋህዳ ኽልተ ዓበይቲ መግለጺ ፍቕሪ ኺሰምዑን ንጽበ። (ዮሃ. 3:16፣ 15:13) እዞም ሰባት እዚኦም፡ ብዛዕባ እቲ በቲ ውህበት የሆዋ ዝዀነ በጃ ኺረኽብዎ ዚኽእሉ በረኸታት ኪመሃሩ እዮም። (ኢሳ. 65:21-23) ኰይኑ ግና፡ ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ምስክርነት ዚህብ፡ እቲ ተዛራባይ ጥራይ ኣይኰነን። ኵሎም እቶም ተኣከብቲ እውን ነቶም ዕዱማት ምዉቕ ኣቀባብላ ብምግባር ጽቡቕ ምስክርነት ዚህብሉ ኣጋጣሚ ኺህልዎም እዩ።—ሮሜ 15:7።
2. ንዕዱማት ምዉቕ ኣቀባብላ ኽንገብረሎም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
2 እቲ መደብ ክሳዕ ዚጅመር ኮፍ ኢልካ ጥራይ ኣብ ክንዲ እትጽበ፡ ተበግሶ ወሲድካ ነቶም ኣብ ጥቓኻ ዘለዉ ሰባት ንምንታይ ዘይትላለዮም፧ ዕዱማት ኪጭነቑ ይኽእሉ እዮም፣ እንታይ ከም ዚግበር እውን ኣይፈልጡን እዮም። ብፍሽኽታ ሰላም ብምባል እንተ ቐሪብናዮም ግና፡ ኪፈዅሶም ይኽእል እዩ። ሓደ ኻብቶም ዕዱማት ወረቐት ዕድመ ተቐቢሉ ዝመጸ እንተ ዀይኑ ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ ናብ ኣኼባና ዝመጸ ንመጀመርታ ግዜኡ እንተ ዀይኑ፡ ወይ ከኣ ኣብ ጉባኤ ዚፈልጦ ሰብ እንተ ኣልዩ ኽትሓቶ ትኽእል ኢኻ። ምናልባት እውን ምሳኻ ኾፍ ከም ዚብል ብምግባር መጽሓፍ ቅዱስን መጽሓፍ መዝሙርን ከተርእዮ ትኽእል ኢኻ። እቲ በዓል ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚግበር እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ኣዳራሽ ኣሕጽር ኣቢልካ ኸተርእዮ ትኽእል ኢኻ። ድሕሪ እቲ መደረ፡ ንሕቶታቱ ኽትምልሰሉ ኸም እትኽእል ሓብሮ። ጉባኤኹም፡ ነቲ መአከቢ ኻልእ ጉባኤ ምእንቲ ኽትጥቀምሉ፡ ቀልጢፋ ኽትወጽእ ዚግባኣ እንተ ዀይኑ፡ “ብዛዕባ እዚ በዓል ዘሎካ ርእይቶ ኽሰምዕ ምደለኹ። ብኸመይ ክረኽበካ ምኸኣልኩ፧” በሎ። ካልእ መዓልቲ ተራኺብኩም ንኽትዘራረቡ ቘጸራ ግበር። ሽማግለታት ብፍላይ ኣብቲ በዓል ንዚመጹ ዘይንጡፋት ኣስፋሕቲ ንኼተባብዕዎም ብንቕሓት ኪከታተሉ ኣለዎም።
3. ንዕዱማት በዓል ዝኽሪ ተበግሶ ወሲድና ኣቀባብላ ኽንገብረሎም፡ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
3 መብዛሕትኦም ዕዱማት፡ ነቲ ህዝቢ የሆዋ ኣብ መንፈሳዊ ገነት እነስተማቕሮ ሓጐስን ሰላምን ሓድነትን ንመጀመርታኦም ኣብዚ በዓል እዚ ርእዮምዎ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። (መዝ. 29:11፣ ኢሳ. 11:6-9፣ 65:13, 14) ኣብዚ በዓል እዚ ምስ ተኣከቡ እንታይ እዮም ኪዝክሩ፧ መብዛሕትኡ ኣብቲ ተበግሶ ወሲድና እንገብሮ ኣቀባብላ እዩ ዚምርኰስ።