መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ሰነ
“ብዙሓት ሰባት ሓደ ውሳነ ቕድሚ ምግባሮም ኣብ ቈጸራ ኸዋኽብቲ ይምርኰሱ እዮም። ከዋኽብቲ ንህይወትና ዚጸልዎዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እቲ ዜገርም፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንእኩባት ከዋኽብቲ መስዋእቲ ብዛዕባ ዚገብሩ ሰባት ይነግረና እዩ። [2 ነገስት 23:5 ኣንብብ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ዘለዎ ኣመለኻኽታ ትገልጽ።” ነታ ኣብ ገጽ 18 እትጅምር ዓንቀጽ ኣርኢ።
Awake! June
“ኣብያተ-ክርስትያናት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ጥምቀትን መርዓን ቀብርን ገንዘብ የኽፍላ እየን። እዚ ቕኑዕዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ነዚ ዚስዕብ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝሃቦም መምርሒ እሞ ርአ። [ማቴዎስ 10:7, 8ለ ኣንብብ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ንሃይማኖታዊ ኣገልግሎት ገንዘብ ብዛዕባ ምኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚብል ትገልጽ።” ኣብ ገጽ 22 እትጅምር ዓንቀጽ ኣርኢ።
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ሓምለ
“ብዙሓት ሰባት ነቲ ዅሉ ዚኽእል ፈጣሪ፡ ኣምላኽ ኢሎም ጥራይ እዮም ዚጽውዕዎ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንኣምላኽ ብስሙ ምፍላጥ ኣገዳሲ ምዃኑ ኸም ዜጕልሕ ግን ትፈልጥዶ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ፡ መዝሙር 91:14 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ስም ኣምላኽ ካብ ገሊኡ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ስለምንታይ ከም ዝወጸን ንኣምላኽ ብስሙ ምፍላጥ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት ከም ዝዀነን ትገልጽ።”
Awake! July
“ሎሚ ዘሎ ቝጠባዊ ዅነታት ብዙሕ ጭንቀት ፈጢሩ እዩ። እቶም ካብ ስራሕ ዝወጹ ብዙሕ ይጭነቑ፡ እቶም ዚሰርሑ ድማ ካብ ስራሖም ከይስጐጉ ይሰግኡ እዮም። እዚ ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነዚ ጸገማት እዚ ንኽንዋጽኣሉ ዚሕግዝዶ ይመስለካ፧ [ማቴዎስ 6:34 ኣንብብ። ድሕሪኡ፡ መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ንገንዘብና ዀነ ንስምዒታትና ብኸመይ ክንቈጻጸሮ ኸም እንኽእል ዚገልጽ ግብራዊ ሓሳባት ትህብ።”