ነታ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትበሃል ብሮሹር ክንጥቀመላ እንኽእለሉ ሓደ መገዲ
መብዛሕትኦም ሰባት፡ ብፍላይ ከኣ ኣባላት እተን ካብ ክርስትና ወጻኢ ዝዀና ሃይማኖታት፡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ኣይፈልጡን እዮም። ገሊኣቶም ኣስፋሕቲ ነዞም ሰባት እዚኣቶም በታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ገይሮም መጽናዕቲ ኺመርሑሎም ከለዉ፡ እቶም ተመሃሮ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ሓፈሻዊ ፍልጠት ምእንቲ ኺህልዎም፡ ነታ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትበሃል ብሮሹር እውን ይጥቀሙላ እዮም። ንኣብነት፡ ሓደ ሓው ምስ ተመሃራዩ፡ ንምዕራፍ 3 እታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ኪመያየጡ ኸለዉ፡ ካብታ ብሮሹር ን1ይ ክፋል ኣርኣዮ። ድሕሪኡ፡ ኣብ መወዳእታ ነፍሲ ወከፍ መጽናዕቲ፡ ሓንቲ ኽፋል ይመያየጡ። ምስ ሓደ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ሒደት ፍልጠት ዘለዎ ወይ ምስ ሓደ ፈጺሙ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይፈልጥ ሰብ ዲኻ ተጽንዕ ዘለኻ፧ እቲ ሰብ ብዛዕባ እተን ‘ንምድሓን ኬለብማኦ ዚኽእላ ቕዱሳት ጽሑፋት’ ምእንቲ ኺፈልጥ፡ ጐድኒ ጐድኒ እታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ፡ ነታ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትበሃል ብሮሹር እውን ተጠቐመላ።—2 ጢሞ. 3:15።