ብኤርምያስ ኣቢሉ እተዋህበና ቓል ኣምላኽ
1. ኣብቲ ብ2010 እተገብረ ኣኼባ ኣውራጃ ኣየነይቲ መጽሓፍ እያ ወጺኣ፧ ብኸመይከ ኢና ኽንጥቀመላ፧
1 ኣብቲ ብ2010 እተገብረ፡ “ንየሆዋ ብዝያዳ ቕረብዎ!” ዘርእስቱ ኣኼባ ኣውራጃ፡ እታ ብኤርምያስ ኣቢሉ እተዋህበና ቓል ኣምላኽ ዘርእስታ መጽሓፍ ብምውጽኣ ኽሳዕ ክንደይ ተሓጕስና ኸም ዝነበርና ፍሉጥ እዩ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ኣብ ትንቢት ኤርምያስን ድጕዓ ኤርምያስን ንዚርከብ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ዚጠቕመና ትምህርትታት ተጕልሕ። (ሮሜ 15:4) ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ ተባሂላ ድማ እያ ተዳልያ፣ ካብታ 6 ጥሪ 2013 እትጅምር ሰሙን ኣትሒዛ ኸኣ ኣብ ጉባኤ ኽትጽናዕ እያ።
2. ነተን ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀና ትንቢት ኤርምያስን ድጕዓ ኤርምያስን ምስ እንምርምረን፡ ክንጥቀም እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧
2 ሎሚ ጠቓሚት፦ ኤርምያስ፡ ጸሓፊ እታ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሳ፡ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት ትንቢት ኤርምያስ እዩ። ንሱ ኣብ ይሁዳ፡ ዕግርግር ኣብ ዝመልኦ እዋን እዩ ዚንበ ነይሩ። ኣብ ፈለማ፡ ነቲ እተዋህቦ ዕዮ ኸም ዘይበቅዕ ተሰሚዕዎ ነበረ። (ኤር. 1:6) ብዘይካዚ፡ ብዚፈልጦም ሰባትን ምናልባት እውን በቶም ኣብ ኣናቶት ዚነብሩ ዝነበሩ ኣዝማዱን መስጐጕቲ ይወርዶ ነበረ። (ኤር. 11:21, 22) ስለዚ፡ ሓድሓደ እዋን ተስፋ ይቘርጽ ከም ዝነበረ ርዱእ እዩ። (ኤር. 20:14) ንሕና እውን ነቲ ‘ኻብ ኵሎም ኣህዛብ ደቀ መዛሙርቲ ኽንገብር’ እተዋህበና ሓላፍነት ኣብ እንፍጽመሉ እዋን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ናይ ኤርምያስ ዚመሳሰል ብድሆታትን ስምዒታትን የጋጥመና እዩ። (ማቴ. 28:19) ነተን ኤርምያስ ዝጸሓፈን መጻሕፍቲ ምምርማርና፡ ኣገልግሎትና ብምትእምማንን ብቕንኣትን ንኽንፍጽም ኪሕግዘና እዩ።
3. ንእተወሰነ ትሕዝቶ መጽሓፍ ኤርምያስ ብኸመይ ኢና ኽንጥቀመሉ፧
3 ትሕዝቶ፦ እቲ ኣብ እዋን መጽናዕቲ ዚንበብ ቀንዲ ጥቕስታት፡ ብሰያፍ ተጻሒፉ ኣሎ። ኣብ መወዳእታ እታ መጽናዕቲ እትግበረላ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን፡ ነቲ ቐንዲ ነጥብታት እቲ ትምህርቲ ዜጕልሕ ብድሙቕ ፊደላት እተጻሕፈ ሓደ ወይ ክልተ ሕቶ ኣሎ። እቶም ሰማዕቲ ኣብ ድግማ፡ እዚ ሕቶታት እዚ ኺሕተቱ ኣለዎም። ኣብ ብምልእታ እታ መጽሓፍ፡ እታ ጉባኤ ሓሳብ ክትህበሉ እትደሊ ባህ ዜብል ስእላዊ መግለጺታት ይርከብ እዩ።
4. ንመጽሓፍ ኤርምያስ ብምጽናዕ፡ ምሉእ ብምሉእ ክንጥቀም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
4 ካብዛ መጽሓፍ እዚኣ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽትጥቀም፡ ነቲ ትምህርቲ ኣቐዲምካ ተዳለወሉ። ኣብ ህይወትካን ኣብ ኣገልግሎትካን ኪጠቕመካ ንዚኽእል ነጥብታት ርአ። ሓሳብ ኣብ ምሃብ ምሉእ ብምሉእ ተሳተፍ። ኤርምያስ ሳላ በረኸት የሆዋ ንዕዮኡ ብሓጐስን ብዜዕግብ መገድን እዩ ፈጺምዎ። (ኤር. 15:16) ስለዚ እምበኣር፡ ከምቲ ኤርምያስ ዝገበሮ፡ ነዛ ሓዳስ መጽሓፍ እዚኣ ነጽንዓያ፡ ኣገልግሎትና ንኽንፍጽም ድማ ክትሕግዘና እያ።