መደብ 23 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
23 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 13ን ጸሎትን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
jl ትምህርቲ 23-25 (30 ደቒቕ)
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ራእይ 7-14 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ ራእይ 9:1-21 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ ክርስትያናት ናይ ሓቂ ተቐበልቲ ኣጋይሽ ከም ዝዀኑ ኼርእዩሉ ዚኽእሉ መገድታት፧—እብ. 13:2 (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ ሓይሊ ህይወት፡ መንፈስ ተባሂሉ ይጽዋዕ—td 7ለ (5 ደቒቕ)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
10 ደቒቕ፦ ኣብ ጥርን ለካቲትን ዚዕደል ጽሑፋት። ምይይጥ። ትሕዝቶ እቲ ዚዕደል ጽሑፍ ግለጽ፣ ሓደ ወይ ክልተ መርኣያ ድማ ኣቕርብ።
20 ደቒቕ፦ “መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር ንእትብሃል መጽሓፍ ኪቕበሉ ድሉዋት ንዘይኰኑ ሰባት ዚኸውን ሓገዝ።” ሕቶታትን መልስታትን። ንሓደ ኻብቲ ኣብ ገጽ 6 ቐሪቡ ዘሎ ሓሳባት ተጠቒምካ መርኣያ ኣቕርብ።
መዝሙር 46ን ጸሎትን