ግድን ከተቋርጽ ኣሎካ ድዩ፧
ገሊኦም ኣስፋሕቲ ናብ ኣገልግሎት ወፍሪ ምስ ወጹ፡ ብልምዲ ኣብ እተወሰነ እዋን፡ ምናልባት ኣብ እዋን ቀትሪ የቋርጹ እዮም። ገሊኣቶም ኣብ እተወሰነ እዋን ንኼቋርጹ ዅነታቶም ኬገድዶም ከም ዚኽእል ፍሉጥ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ገለ ኻብቶም ኣብ ጕጅለኻ ዘለዉ ኣስፋሕቲ ስለ ዘቋረጹ ወይ ከኣ ኣብ እተወሰነ እዋን ምቍራጽ ኣብ ከባቢኹም ልሙድ ስለ ዝዀነ ጥራይ ዲኻ ኣገልግሎትካ እተቋርጽ፧ ንሒደት ደቓይቕ ኣገልግሎትካ ኸተስፍሕን ከም ምስክርነት መገዲ ኣብ ዝኣመሰለ ዘይወግዓዊ ምስክርነት ክትካፈልን ምኸኣልካዶ፧ ናብ ገዛኻ ክትምለስ ከለኻ፡ ሓደ ወይ ክልተ ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር ምኸኣልካዶ፧ ካልእ ተገዳሲ ሰብ ኣብ ቤት እንተ ረኺብካ፡ ወይ ከኣ ንሓደ ሓላፍ መገዲ ኽልተ መጽሔታት እንተ ኣበርኪትካሉ፡ ክንደይ ጽቡቕ ነገር ከም እትዓምም እሞ ሕሰቦ! ንኸነቋርጽ ዜገድድ ኵነታት እንተ ዘየልዩ፡ ሒደት ተወሳኺ ደቓይቕ ብምግልጋል፡ ነቲ እነቕርቦ “መስዋእቲ ውዳሰ” ኽብ ከነብሎ ንኽእል ኢና።—እብ. 13:15።