ንወብ ሳይትና ተጠቒምካ ንደቅኻ ምሃሮም
1. ዕላማ እቲ “ቘልዑ” ዚብል ክፋል ወብ ሳይትና እንታይ እዩ፧
1 እቲ jw.org ዚብሃል ወብ ሳይትና፡ ኣብ ኵሉ ኽሊ ዕድመ ንዘለዉ ሰባት ንምስሓብ ተባሂሉ እዩ ተዳልዩ። እቲ “Children” (“ቈልዑ”) ዚብል ክፋል እቲ ወብ ሳይት (ብእንግሊዝኛ ዚርከብ። ኣብ ትሕቲ Bible Teachings > Children ርአ)፡ ንቘልዑን ንወለድን፡ ንሓድሕዶም ንኺቀራረቡን ንየሆዋ ንኪቐርብዎን ኪሕግዞም ይኽእል እዩ። (ዘዳ. 6:6, 7) ነዚ ኽፋል እቲ ወብ ሳይት ተጠቒምካ ንደቅኻ ኽትምህሮም እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
2. ምስ ዕድመ ደቅኻ ዚመጣጠን ክፋል ክትመርጽ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
2 ተዓጻጻፊ ኹን፦ ነፍሲ ወከፍ ቈልዓ፡ ነናቱ ድሌት ኣለዎ። (1 ቈረ. 13:11) ብኸመይ ደኣ ኢኻ እሞ ምስ ዕድመ ደቅኻ ዚመጣጠን ሕታም ክትመርጽ እትኽእል፧ ከምዚ ኢልካ ንርእስኻ ሕተታ፦ ‘ንኣቓልቦ ደቀይ ዚስሕቦ እንታይ እዩ፧ ክሳዕ ክንደይ እዩ ኺርድኦም፧ ኣቓልቦኦም ከይተሰርቀ ንኽንደይ ግዜ ኺጸንሑ ይኽእሉ፧’ ምስቶም ሰለስተን ትሕቲኡን ዝዕድሚኦም ቈልዑ፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ “My Bible Lessons” (“ንዓይ ዚኸውን ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ”) ዚብል ክፋል ዘሎ ዛንታታት ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ገሊአን ስድራ ቤታት ነቲ ኣብ ትሕቲ “Teach Your Children” (“ንደቅኻ ምሃሮም”) ዚብል ክፋል ዘሎ ዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ ይጥቀማ እየን። ነዚ ዚስዕብ ኣማራጺታት እውን ርአ።
3. ወለዲ ነቲ ኣብ ትሕቲ “ንጥፈታት ኣምልኾ ስድራ ቤት” ዚርከብ ዛንታታትን ዕዮታትን ብውጽኢታዊ መገዲ ኺጥቀሙሉ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧
3 ንጥፈታት ኣምልኾ ስድራ ቤት፦ እዚ “Family Worship Projects” (“ንጥፈታት ኣምልኾ ስድራ ቤት”) ዚብሃል ንጥፈታት፡ ንርእስታት ስድራ ቤት ኣብቲ ምስ ደቆም ዚገብርዎ መጽናዕቲ ኺሕግዞም ዚኽእል ንዋት እዩ። ነታ “Download” (“ኣራግፍ”) እትብል ብምጥዋቕ፡ ነቲ “Parents’ Guide” (“ንወለዲ ዚኸውን መምርሒ”) ኣራግፎ፣ ኣንብቦ ድማ። ነቲ ብሕብሪ ኸም ምልካይ ዝኣመሰለ ስእላዊ ንጥፈታት ተጠቒምካ፡ ንንኣሽቱ ደቅኻ ምሃሮም። ነቶም ዕብይ ዝበሉ ደቅኻ፡ ነቲ ንጥፈታት ንኺዛዝምዎ ሓግዞም። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ንጥፈት ዚርከብ ዕዮታት፡ ምስ ሓደ ዛንታ መጽሓፍ ቅዱስ እተተሓሓዘ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ኵሉ ኽሊ ዕድመ ዚርከቡ ቘልዑ፡ ኣብ ሓንቲ ንጥፈት ኣምልኾ ስድራ ቤት ኪካፈሉ ይኽእሉ እዮም።
4. ኣብ ትሕቲ እቲ “ዓርኪ የሆዋ ኹን” ዚብል ክፋል፡ እንታይ እዩ ኺርከብ ዚኽእል፧
4 ዓርኪ የሆዋ ኹን፦ እቲ ኣብ ትሕቲ እቲ “Become Jehovah’s Friend” (“ዓርኪ የሆዋ ኹን”) ዚብል ክፋል ወብ ሳይትና ዘሎ ቪድዮታትን መዝሙራትን ንጥፈታትን፡ ወለዲ ኣብ ልቢ ደቆም ቃል ኣምላኽ ንኪቐርጹ ኺሕግዞም ይኽእል እዩ። (ዘዳ. 31:12) ነፍሲ ወከፍ ቪድዮ፡ ኣገዳሲ ትምህርቲ እያ እትምህር። እቲ ኣናድዮም ንኺረኽቡ ተባሂሉ እተዳለወ ጸወታታት፡ ነቲ ትምህርቲ ዜጕልሕ እዩ። መብዛሕትኡ እዋን ቈልዑ ምዝማር ስለ ዚፈትዉ፡ ነቲ እተማህርዎ ንኺዝክርዎ እውን ስለ ዚሕግዞም፡ መዝሙራት መንግስቲ ኣምላኽን ንቘልዑ ተባሂሉ እተዳለወ መዝሙራትን ኣብቲ ወብ ሳይት በብእዋኑ ይወጽእ እዩ።
5. ወለዲ፡ ንደቆም ብዛዕባ ሓቂ ንኺምህርዎም ምእንቲ ኺሕግዞም፡ ንየሆዋ ኺልምንዎ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧
5 ኣቱም ወለዲ፡ የሆዋ ዕዉታት ኣቦታትን ኣዴታትን ክትኰኑ እዩ ዚደሊ። ስለዚ፡ ንደቅኹም ብዛዕባ ሓቂ ንኽትምህርዎም ምእንቲ ኺሕግዘኩም፡ ንዕኡ ለምንዎ። (መሳ. 13:8) ብሓገዝ የሆዋ፡ ደቅኹም ‘ብእምነት ክርስቶስ የሱስ ንድሕነት ንኺልብሙ’ ኸተሰልጥንዎም ትኽእሉ ኢኹም።—2 ጢሞ. 3:15፣ ምሳ. 4:1-4።