ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
ንበዓል ዝኽሪ ንምዕዳም ኣብ ዚግበር ወፈራ
“ነዛ ኣብ ኣገዳሲ ፍጻመ ንኽትእከብ እትዕድም ወረቐት ዕድመ ንዕድል ኣለና። ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ብ14 ሚያዝያ ንሞት የሱስ ክርስቶስ ንምዝካርን ሞቱ ብኸመይ ከም ዚጠቕመና ዚገልጽ መደረ መጽሓፍ ቅዱስ ብናጻ ንምስማዕን ኪእከቡ እዮም። እዛ ወረቐት ዕድመ እዚኣ፡ እቲ ኣኼባ ኣብ ከባቢና ዚግበረሉ ሰዓትን ቦታን ትሕብር እያ።”
ግምቢ ዘብዐኛ 1 መጋቢት
“ብዛዕባ ሓደ ንዅሎም ሰባት ዜመሳስሎም ነገር ከነዘራርበካ ኢና መጺእና። ዳርጋ ዅሉ ሰብ፡ ሃይማኖቱ ብዘየገድስ፡ ይጽሊ እዩ። ኣምላኽ ንጸሎትና ዚምልሶዶ ይመስለካ፧ ወይስ ጸሎት ብዛዕባ ጸገማትና ፍዅስ ከም ዚብለና ጥራይ እዩ ዚገብረና፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጸሎት እንታይ ከም ዚብል እሞ ርአ። [1 ዮሃንስ 5:14 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ጸሎት ብኸመይ ከም ዚጠቕመና ትገልጽ።”
ንቕሑ! መጋቢት
“ብዛዕባ ሓደ ልሙድ ኰይኑ ዘሎ ጸገም ንኽንሕግዝ ኢና መጺእና። ገሊኦም ሰባት ብዛዕባ ዅነታት ህይወቶም ኣመና ስለ ዚጭነቑ፡ ርእሶም ኪቐትሉ ይሓስቡ። ሓደ ሰብ ኪጭነቕ ከሎ፡ ብሓቂ ሞት ድዩ ዚምነ ወይስ ካብ መከራኡ ኺገላገል እዩ ዚደሊ፧ [መልሲ ተጸበ።] ንብዙሓት ሰባት ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኸም ዚህልዎም ዝገበረ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዚርከብ መብጽዓ እስከ ኸንብበልካ። [ራእይ 21:3, 4 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ሓደ ሰብ ዋላ እውን ጸገማት እናኣጋጠሞ ኽነሱ፡ ስለምንታይ ብህይወት ኪቕጽል ከም ዘለዎ ዚሕብር ሰለስተ ምኽንያት ተቕርብ።”