ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
ኣብታ ወርሒ፡ ኣብ ቀዳመይቲ ቐዳም፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር ከምዚ ዚስዕብ ክትብል ትኽእል ኢኻ፦
“ብ14 ሚያዝያ ብዛዕባ ዚግበር ነገር ክንነግረካ ኢና መጺእና። እታ ዕለት እቲኣ፡ ሞት የሱስ ዚዝከረላ ዕለት እያ። ገሊኦም ሰባት ነታ ዕለት ዚዝክሩሉ ዕላማ፡ ሞት የሱስ ኣገዳሲ ዀይኑ ስለ ዚስምዖም እዩ። ገሊኣቶም ግና፡ ሞት የሱስ ክንድቲ ኣገዳሲ ዀይኑ ኣይስምዖምን እዩ። ሞት የሱስ ንዓይን ንዓኻን ዚጠቕመናዶ ይመስለካ፧” መልሲ ተጸበ። ነታ ኣብ ናይ 1 መጋቢት ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 16 ዘላ ዓንቀጽ ኣርእዮ እሞ፡ ኣብ ትሕቲ እታ ናይ መጀመርታ ሕቶ ንዘሎ ሓሳባትን እንተ ወሓደ ንሓደ ኻብቲ ጥቕስታትን ተመያየጡሉ። ነተን መጽሔታት ኣበርክተሉ፣ ነቲ ቐጺሉ ዘሎ ሕቶ ተመሊስካ ንኽትመያየጠሉ ኸኣ መደብ ግበር።
ግምቢ ዘብዐኛ 1 መጋቢት
“ብዙሓት ሰባት፡ ኣምላኽ ስለምንታይ ንምጕዳል ፍትሕን ንመከራን ከም ዘየጥፍኦ ይሓትቱ እዮም። ኣምላኽ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ዘይግድሶ ወይ ከኣ ሰባት ኪሳቐዩ ዚደሊዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ፡ ዮሃንስ 3:16 ኣንብብ።] ብዙሓት ሰባት፡ ነዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ኣምላኽ ከም ዚሓልየልና ንምግላጽ ይጥቀሙላ እኳ እንተ ዀኑ፡ ሞት ወዲ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዚጠቕሞም ግና ርግጸኛታት ኣይኰኑን። እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ሞት የሱስ፡ እቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ምጕዳል ፍትሕን መከራን ንኺጠፍእ ብዛዕባ ዘለዎ ግደ ትገልጽ።”
ንቕሑ! መጋቢት
“ነቲ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ እዛ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ እዚኣ ዘለዎም ግጉይ ኣረኣእያ ንምዕራይ ኢና መጺእና። [ዘፍጥረት 1:1 ኣንብብ።] ገሊኦም ሰባት፡ ነዛ ዩኒቨርስ ከም እተፈጥረ እትገልጽ ጥቕሲ ይኣምኑላ እዮም፣ ገሊኣቶም ግና ኣይኣምኑላን እዮም። ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ብዙሓት ሰባት ብሰንኪ እቶም መጽሓፍ ቅዱስ ዘይብሎ ዚምህሩ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ኣብ ፍጥረት ምእማን የጸግሞም እዩ። እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ብዛዕባ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኣጀማምራ ዩኒቨርስ ብዚምልከት ዚህቦ ርትዓውን ልክዕን መግለጺ ትሕብር።”