ሓንቲ መንእሰይ ሓብቲ ኣብ ክፍላ ቴማ ተቕርብ
ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
ንቕሑ!
ሕቶ፦ መንእሰያት ዜጋጥሞም ዘሎ ሕዱር ጭንቀት፡ ብልዑል ናህሪ ይውስኽ ከም ዘሎ ጸብጻባት ይሕብር። ነዚ ጸገም እዚ ንምፍታሕ እንታይ ኪግበር ይከኣል ትብል፧
መፋለጢ፦ እዛ ሕታም ንቕሑ! እዚኣ፡ መንእሰያት ንሕዱር ጭንቀት ብኸመይ ኪጻወርዎ ኸም ዚኽእሉን ወለዶም ብኸመይ ኪሕግዝዎም ከም ዚኽእሉን እተወሰነ ሓሳባት ትህብ።
ሓቂ ምሃር
ዘ ኦርጅን ኦቭ ላይፍ—ፋይቭ ኰስችንስ ዎርዝ ኣስኪንግ (lf)
ሕቶ፦ ‘ህይወት ብኸመይ ጀሚሩ፧’ ዚብልን ከምኡ ዝኣመሰለ ኣገዳሲ ሕቶታትን ምስ ዚልዓል፡ እምነትና ኣብ ምንታይ ክትምስረት ኣለዋ ትብል፧
ጥቕሲ፦ እብ 11:1፡ እ.ጽ.
መፋለጢ፦ ኣብታ ጥቕሲ ዘሎ እግረ ጽሑፍ ከም ዚሕብሮ፡ እምነትና ኣብ “ዜእምን መርትዖ” ኽንምስርታ ጥበባዊ እዩ። እዛ ብሮሹር እዚኣ፡ ብዛዕባ መበቈል ህይወት ዚገልጽ ሓሙሽተ ኣገዳሲ ሕቶታትን እንታይ ዜእምን መርትዖ ኸም ዘሎን ትገልጽ።
ናይ ርእስኻ ኣቀራርባ ኣዳሉ
ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣቀራርባ ኣገልግሎት ወፍሪ ንምድላው፡ ነቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ኣብነታት ተጠቐም።